ስነ ስርዓት ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ 25 መስከረም ክካየድ እዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)25 መስከረም 2019 ዓ.ም ስነ ስርዓት ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲን ስነ ስርዓት መኽፈቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ክካየድ እዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ታገሰ ጫፎ።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብ42 ፓርቲታት ፖለቲካ፣ 10 ሺሕን 438 ሕፁያት፣ ከምኡ እውን ልዕሊ 54 ሚልዮን መረፅቲ ብምስታፍ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊ፣ ዲሞክራስያዊ፣ ፍትሓዊን ተኣማንነት ብዘለዎን ኣገባብ ብዓወት ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 50 ንኡስ ዓንቀፅ 3 እቲ ዋና ላዕለዋይ ኣካል ስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምዃኑን ተፀዋዕነቱ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑን ፀሪሖም።

ዘበን ስራሕ እቲ ባይቶ እውን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ መስከረም ትርከብ ዕለተ ሰኑይ ከምዝጅምር ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 58 ንኡስ ዓንቀፅ 2 ተደንጊጉ እዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 56፣ ኣብቲ ባይቶ ኣብዝሓ ወንበር ዝረኸበ ፖለቲካ ፓርቲ ወይ እውን ጥምረት ፓርቲታት ኣካል ፈፃሚ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ከምውድብን ከምዝመርሕን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድማ 25 መስከረም 2019 ዓ.ም ስነ-ስርዓት ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲን መኽፈቲ ስነ-ስርዓት እቲ ባይቶን ከም ዝካየድ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ ነቲ መርሃ ግብሪ ዘድልዩ ኩሎም ምድላዋት ኩሎም ከምዝተዛዘሙ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመላኽት።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment