ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀብሪ ኣትሌት የብርጓል መለስ ሎሚ ተፈፂሙ።
ስነ ስርዓት ቀብሪ እታ ኣትሌት ኣብ መንበረ ፀባኦት ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ስላሴ፤ ፈተውታን ስድርኣን፣ አመራርሓ ኣባላት ምኽልካል ሃገር ኣብ ዝተረኸብሉ ብማርሽ ባንድ ተዓጂቡ ተፈፂሙ።
ናይ ነዊሕ ርሕቐት ጎያይት አትሌት የብርጓል መለስ ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኸ ውድድራት ንምኽፋል ኣብ ኣትሌቲክስ ዕውታት ግዘ ምሕላፋ ዝዝኸር እዩ።
እታ ኣትሌት ኣብ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ሓዊሱ ብዙሕ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊ ውድድራት ክተፅውዕ ፀኒሓ እያ፡፡
ኣብ ሚያዝያ 1982 ዓ.ም ዝተወልደ እታ ኣትሌት የብርጓል ኣብ መበል 36 ዓመት ዕድሚኣ ኣብ 4 ግንቦት 2018 ዓ.ም ኣብ ስፖርት መዘውተሪ ጃን ሜዳ ብዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።