ስፓርት

ስፓርት

ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዊ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብቲ ጋንታ ንምፅናሕ ዘኽእል ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ። ወዲ 20 ዓመት እንግሊዛዊ ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ካብ ኣካዳሚ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ዓብዪ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምዕባዩ ኣብ ዝገበሮም 87 ፀወታታት 7 ሸቶታት ኣቑፂሩ ኢዩ። ይኹን እንበር ሎሚ ዘበን እኹል ናይ ምስላፍ ዕድል ዘይምርካቡ ስዒቡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝግበር ዝውውር ካብቲ ጋንታ ከምዝለቅቕ ብስፍሓት ክዝረብ ፀኒሑ። ብጊዚያዊ ኣሰልጣንነት  …
Read More...

ሲዳማ ቡናን መቻልን ዓወት ቀኒዑወን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን መርሃ ግብሪ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መሪሕ እቲ ሊግ ሲዳማ ቡና ንኢትዮጵያ ቡና 3 ን 0 ስዒራ፡፡ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ሲዳማ ቡና ዝተዓወተትለን ሸቶታት ብለስ ናጎ፣ ዮሴፍ ዮሃንስን ፍራኦል መንግስቱን ኣመዝጊቦምወን። ብኻሊእ መዳይ መቻል ንቅዱስ…

ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሸገር ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሸገር ከተማን 1 ን 1 ማዕረ ተፈላሊየን። ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ናይ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ሸቶ ኮንኮኒ ሃፊዝ እንተመዝግብ÷ ሄኖክ ኣዱኛ ድማ ናይ ሸገር ከተማ ሸቶት ኣመዝጊቡዋ። መርሃ…

ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ 9 ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ እውን ቀፂሉ እንትካየድ ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ሰዓት 5 ኢሎምፒክ ማርሴ ምስ ሊቨርፑል፣ ስላቪያ ፕራግ ምስ ባርሴሎና፣ ባየር ሙኒክ ምስ ሮያል ዩኒየን ከምኡ እውን ቼልሲ ምስ ፓፎስ ክፃወታ ኢየን። ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣታላንታ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ፣ ጁቬንቱስ ምስ ቤኔፊካ ከምኡ እውን…

ኢንተር ሚላን ምስ ኣርሰናል – ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ዙር ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ እዚ ውድድር ዓመት ብብሕትነት ኩሎም ፀወታታት ክትስዕር ዝኸኣለት ኣርሰናል፤ ናብ ጣሊያን ብምምራሕ ምሸት ሰዓት 5 ምስ ኢንተር ሚላን ክትገጥም ኢያ። ኣብቲ ዕለት ፈላማይ መርሃ ግብሪ ምሸት ሰዓት…

ካፍ ንኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ካብ ስራሕ ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ)ካፍ ንኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ፔፔ ቲያው ካብ ስራሕ ኣጊዱ፡፡ ካፍ ኣብ ፍፃመ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሴኔጋልን ሞሮኮ ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ዝተርኣዩ ጉድለታት ስነ ምግባር እናመርመረ ምፅንሑ ኣፍሊጡ፡፡ ካፍ ብዝገበሮ ምርመራ ኣሰልጣኒ ፔፔ ቲያው ናይቲ ዕለት ዳይና ዝነበሩ ጂን…

ሞሮኮን ሴኔጋልን ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምልዓል ክጋጠማ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 35 ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣሰናዳኢት ሃገረ ሞሮኮን ሴኔጋልን ዋንጫ ንምልዓል ናብ ሜዳ ክኣትዋ ኢየን። እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4፡00 ኣብ ዋና ከተማ ሞሮኮ ዝኾነት ራባት ስታዲየም ፕሪንስ ሙላይ ኣብደላ ክካየድ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ደገፍቱ ዝፃወት ብሄራዊ ጋንታ ሞሮኮ ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ምስ ናይጄሪያ ዝገበሮ ፀወታ ብመፍለዪ…