ስፓርት
ኢትዮጵያ ምስ ማላዊ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ካልኣይ ዙር ምሕዝነታዊ ፀወታኣ ምስ ማላዊ መዘንኣ ክትገብር እያ።
ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ስታድየም ድሬዳዋ ምሸት ሰዓት 12:00 ክካየድ እዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ስታድየም ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ብፍፁም ጥላሁን ብሕታዊት ሸቶ ምስዓሩ ይዝኸር፡፡
Read More...
ኣብ ፅዋዕ ዓለም ዝተፈላለያ ሃገራት ዝውክሉ ኣቦን ወድን…
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝካየድ ፅዋዕ ዓለም 2026 ወዲ ሉካ ዚዳን ንኣልጀርያ ወኪሉ ክሳተፍ እዩ።
ኣቡኡ ዚነዲን ዚዳን ቅድሚ ሕዚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ወርቃዊ ዘመን የስተማቕር ነይሩ።
ዚዳን ዝብል ስም ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ንክረክብ ዝገበሮ ዚነዲን ዚዳን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ…
638 ኣትሌታት ኣብ ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያ ዝሳተፍሉ ውድድር…
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 19 ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝጅምርን ዝዛዘምን እዚ ውድድር 638 ኣትሌታት፣ 455 ደቂ ተባዕትዮን 183 ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉ እዮም።
እዚ ውድድር ኣብ ስዊድን ንዝካየድ ፍርቂ ማራቶን ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራፅን…
ሕፁያት ብሉፅ ተፃዋታይ ማሕበር ፕሮፌሽናል ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ውድድር ዓመት ስፖርት 2025/26 ሕፁያት ብሉፅ ተፃዋታይ ማሕበር ፕሮፌሽናል ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዕላዊ ኮይኑ።
ኣርሰናል ብሰለስተ ተፃወትቲ ተሓፅዮም ኣብ ቅድሚት ትርከብ እንትትኾን፤ ጋብሬል ማጋሌሽ፣ ዴቪድ ራያን ዴክላን ራይስን ተሓፅዮም ኣለዉ።
ተከላካላይ መድፍዕተኛታት ዴቪድ ራያ ኣብቲ ውድድር…
ፊፋ ኣብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ፕላስቲክ ናውቲ ናብ ስታዲየም ከይኣትዉ ኣጊዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ (ፊፋ) ኣብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ተዓዘብቲ እቲ ውድድር ናይ ፕላስቲክ ናውታት ናብ ስታዲየም ሒዝካ ምእታው ከምዘይክኣል ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ደንቢ ተዓዘብቲ ዳግማይ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ዝኽእሉ ናይ ፕላስቲክ ናውቲ ናብ ስታዲየም ሒዞም ክኣትው ከምዘይክእሉ ተገሊፁ፡፡…
ኣንዶኒ ኢራኦላ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ብምዃን ተሾይሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ኣንዶኒ ኢራኦላ ንኣርነ ስሎት ብምትካእ ኣሰልጣኒ ጋንታ ሊቨርፑል ብምዃን ተሾይሙ፡፡
ኣብ ጋንታ ቦርንማውዝ ዘደንቕ ጋንታ ክሃንፅ ዝኸኣለ ኢራኦላ፤ ኣብ ኣንፊልድ ክሳብ 2028 ዓ.ም.ፈ ዘፅንሖ ኩንትራት ከምዝፈረመ ተገሊፁ፡፡
እቲ ኣሰልጣኒ ኣብ ፃንሒቱ፤ ነታ ጋንታ ናብ ዓወት ናይ ምምላስ ሓላፍነት…
ቶማስ ፓርቴ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኣብ ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ተኻቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ኣርሰናል ቶማስ ፓርቲ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኣብ ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ክካተት ክኢሉ፡፡
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2020 ክሳብ 2022 ብኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ገበን ፆታዊ መጥቃዕቲ ክሲ ዝቐረቡሉ እቲ ተፃዋታይ ኩሎም ክሲታት ሓሶት ከምዝኾኑ እናገለፀ ፀኒሑ ኢዩ፡፡
ወዲ 32 ዓመት…