ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሓሙሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 29 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሓሙሽተ ፀወታታት እንትካየዱ ኣርሰናል ምስ ብራይተን ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ነቲ ሊግ ብ64 ነጥቢ እናመርሐት ትርከብ ኣርሰናል ኣብ ሜዳኣ ኢምሬትስ ኣብ ዝተገበረ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ንብራይተን 2 ን 1 ብዝኾነ ፀቢብ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር፡፡ ኣብ ብራይተን ስታዲየም ኣሜክስ ምሸት ሰዓት 4፡30 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ኣርሰናል ምስ ብራይተን ብርቱዕ ንሕንሕ ክኸውን ከምዝኽል ይግመት፡፡ ብወገን ኣርሰናል ንቼልሲ ኣብ…
Read More...

ሮድሪጎ ካብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ፀወታ ወፃኢ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብራዚላዊ ተፃዋቲ ሪያል ማድሪድ ሮድሪጎ ብሰንኪ መጉዳእቲ ካብ ፅዋዕ ዓለም 2026 ፀወታ ወፃኢ ኮይኑ፡፡ ሮድሪጎ ሎሚ ኣብ ዝተገበረሉ መርመራ ኣብ የማናይ እግሩ መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞ ክለቡ ኣፍሊጡ፡፡ እዚ ወዲ 25 ዓመት ኣጥቃዓይ ብዘጋጠሞ መጉዳቲ ምኽንያት ክሳብ 10 ኣዋርሕ ካብ ሜዳ ክርሕቕ ከምዝኽእል…

ሎሚ ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 4 ፀወታታት ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ መርሃ ግብሪ መበል 29 ሰሙን ሎሚ ምሸት 4 ፀወታታት ክካየድ እዩ። ኣብ ቀፃሊ ውድድር ዓመት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮፓ ትወዳደር ዘላ ሊቨርፑል ናብ ስታድየም ሞሊኒክስ ተጓዒዛ ምሸት ሰዓት 5፡15 ድሕሪ ቀትሪ ምስታ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ሊግ ዘላ ዎልቭስ ክትገጥም እያ።…

ሪያል ማድሪድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዘራኸበ ድልድል ሻምፒዮንስ ሊግ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ 16 ውድድር ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣብ ሲውዘርላንድ ኒዮን ዕላዊ ኮይኑ፡፡ በዚ ድማ ሪያል ማድሪድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ፣ ኣርሰናል ምስ ባየር ሊቨርኩሰን፣ ስፖርቲንግ ሊዝበን ምስ ቦዶ ግሊምት ክምኡ እውን ባርሴሎና ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ተደልዲለን፡፡ ሻምፒዮን እቲ መድረኽ ፒኤስጂ ምስ ቼልሲ፣…

ክርስቲያኖ ሮናልዶ ኣብ ስፔን ክለብ ኣልሜሪያ ብፅሒት በዓል ዋናነት ዓዲጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፖርቱጋላዊ ተፃዋታይ ኣልናስር ክርስትያኖ ሮናልዶ በዓል ዋናነት ስፔን ክለብ ኣልሜሪያ ብፅሒት ዓዲጉ፡፡ ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ባላንዶር ኣብ ኣልሜሪያ 25 ሚእታዊት ብፅሒት ምግዝኡ እዩ ዝተገለፀ። ኣልሜሪያ ኣብ ካልኣይ ሊግ ስፔን እናተወዳደረ እንትኾን ኣብቲ ሊግ ሰሌዳ ሊግ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።…

ኢትዮጵያ መድን ንቅዱስ ጊዮርጊስ 3 ን 0 ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን መርሃ ግብሪ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ መድን ንቅዱስ ጊዮርጊስ 3 ን 0 ስዒራ፡፡ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ኢትዮጵያ መድን ዝተዓወተትለን ሸቶታት ብሩክ ሙሉጌታ (ክልተ)ን ብሩክ በላቸውን ኣመዝጊቦምወን። ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦…

ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኤቨርተን ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 27 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ሰዓት 5 ንማንቼስተር ዩናይትድ ከተአንግድ እያ። ድሕሪ 4 ተኸታታሊ ዓወታት ማዕረ ውፅኢት ተፈላልያ ዘላ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ናይ ዓወት ክትምለስ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ። ማንቼስተር ዩናይትድ ካብ ዝሓለፋ 5 ፀወታታት ክልቲአን…