ስፓርት

ስፓርት

ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ  ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ  ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ቻይና ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም ። ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀዳማይ ወፂኡ። እቲ ኣትሌት ብ12 ደቒቓን 50 ሰከንድን 45 ማይክሮ ሰከንድን ነቲ ውድድር ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ። ኣትሌት ኩማ ግርማን ኣትሌት መዝገቡ ስሜን ድማ ብቕደም ሰዓብ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።
Read More...

ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ  ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ  ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ  ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ  ብ800 ሜትሮ ብዝተገበረ ውድድር ጒያ ዝበለፀ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ። ኣትሌት ፅጌ ነቲ ርሕቐት  1 ደቒቓን 56 ሰከንድን 64 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ።

መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 35 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ናይሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታ፥ ኣርሰናል ምስ በርንማውዝ ምሸት ሰዓት 1፡30 ዘካይድኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ። ሰዓት  8፡30 ኣስቶንቪላ ምስ ፉልሃም ክፃወታ ኢየን። ሰዓት 11፡00 ድማ ኤቨርተን ምስ ኢፕስዊች ታውን…

ባህርዳር ከተማ ንኢትዮ ኤሌክትሪክ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 27 ሰሙን ፕርሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ባህርዳር ከተማ ንኢትዮ ኤሌክትሪክ 2 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ። ጋንታ ባህርዳር ዝተዓወተትለን ሸቶታት ግርማ ዲሳሳን ቸርነት ጉግሳን ኣመዝጊቦምወን፡፡ ፀወታ እቲ ፕሪሚየር ሊግ እንትቕፅል ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን መቻልን እናተፃወታ ይርከባ፡፡

ከተማ ኣዳማን ዩኒቨርስቲ ወልዋሎ ዓዲግራትን ማዕረ ተፈላልየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 27 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝተራኸባ ከተማ ኣዳማን ዩኒቨርሲቲ ወልዋሎ ዓዲግራትን ሓደ ማዕረ ተፈላልየን፡፡ ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም፤ ዩኒቨርሲቲ ወልዋሎ ዓዲግራት ዳዋ ሁጤሳ ንከተማ ኣዳማ ድማ ነቢል ኑሪ ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡

ኣብ ውድድር ስፖርት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብውርወራ ጦር ስዒሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ኣብ ውድድር ስፖርት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮ ውርወራ ጦር 1ይ ን 2ይን ብምውፃእ ተዓዋቲ ኮይኑ። ኣብቲ ውድድር ፖሊስ ኬኒያ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ። ብውርወራ ጦር ደቂ ተባዕትዮ ፖሊስ ኬኒያ 1ይን 2ይን ደረጃ ብመሓዝ እንትዛዝም ፖሊስ ኢትዮጵያ 3ይ ደረጃ…

ኣትሌታት ፖሊስ ኢትዮጵያ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌታት ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ መበል ሓምሻይ ውድድር ፖሊስ ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣፍሪካ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ቀዳማይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ እቲ ውድድር ውድድር ብደቂ ተባዕቲዮ እውን ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ። ፖሊስ ኬኒያ ብ400 ሜትሮን 100…