ስፓርት
ድሕሪ 34 ዓመታት ብዘይ ወርቂ ዝተመለሰ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጃፓን ቶኪዮ እናተኻየደ ዝቐነየ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ክልተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብድምሩ ኣርባዕተ ሜዳልያታት ብምርካብ ውድድራ ዛዚማ።
ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝረኸበቶ በዝሒ ሜዳልያ ካብ ኩለን ተሳተፍቲ ሃገራት መበል 21 ደረጃ ብመሓዝ ፃንሒታ ወዲኣ፡፡
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ድሕሪ 34 ዓመታት ብዘይ ሜዳልያ ወርቂ ዝተመለሰትሉ ሻምፒዮና ኮይኑ፡፡
ኣሜሪካ 13 ወርቂ 5 ብሩርን…
Read More...
ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ሲቲ – ትፅቢት ዝግበረሉ ንሕንሕ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት 12:30 ኣርሰናል ንማንቼስተር ሲቲ ኣብ ኤምሬትስ ተተኣናግደሉ መርሃ ግብሪ ትፅቢት ይግበረሉ።
ኣብ ኩሎም ውድድራት ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ብማንቼስተር ሲቲ ምንም ስዕረት ዘየተኣናገደት ኣርሳናል እዚ ሪከርድ ክቕፅል ንምግባር ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።
ኣብ መፋርቕ…
ኬንያ ኣብ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ወርቅን ብሩርን ረኺባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ጃፓን ከተማ ቶክዮ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 20 ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኬንያ ኣብ ውድድር 5 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ወርቅን ብሩርን መዳልያታት ተዓዊታ።
ኢትዮጵያ በቲ ውድድር ብኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ መዲና ዒሳን ፋንታየ በላይነህን ተወኪላ ክትዕወት ግን ኣይከኣለትን።
ኣትሌት ጉዳፍ 5ይ ደረጃ ብምሓዝ እቲ…
ፀወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቼልሲ ትፅቢት ይግበር
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 5ይ ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ሞንጎ ማንቼስተር ዩናይትድን ቼልሲን ከምኡ እውን ደርቢ መርሲሳይድን ኣብ መንጎ ሊቨርፑልን ኤቨርተንን ብሃንቀውታ ትፀቢት ይግበር።
ፀወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቼልሲ ምሸት ሰዓት 1፡30 ኣብ ኦልድትራፎርድ ክካየድ እዩ።
ኣብቲ ውድድር ብፅቡቕ ውፅኢት ዘይጀመረቶ ማንቼስተር…
ወላይታ ድቻን ኣል ኢትሃድን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ፀወታ ፅዋዕ ካፍ ኮንፌደሬሽን ወላይታ ድቻ ምስ ኣል ኢትሃድ ብዘይ ሸቶ ማዕረ ተፈላሊያ።
ኣብቲ ውድድር ንኢትዮጵያ ትውክል ጋንታ ወላይታ ድቻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ምስ ሊቢያዊት ጋንታ ኣል ኢትሃድ ዝገበረቶ ፀወታ ብማዕረ ውፅኢት ዛዚመን።
ወላይታ ድቻ ናይ መልሲ ፀወታ ድሕሪ ሰሙን ካብ ሜዳኣ…
ፅባሕ ቀዳም ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቼልሲ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታታት ሓምሻይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ።
ኣብ ናይ ፅባሕ መርሃ ግብሪ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቼልሲ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።
ብኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ዝምራሕ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሓዱሽ ውድድር ዘበን 2024/25 ዝሓሸ ግዘ ኣየሕልፍን ዘሎ።
ዩናይትድ ኣብዚ…
ሰለስተ ኢትዮጵያውያን 5 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፍፃመ ሓሊፈን
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 20 ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናብ ፍፃመ ሓሊፈን።
በቲ ርሕቀት ዝተወከሉ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ መዲና ዒሳን ፋንታየ በላይነን ናብ ፍፃመ ዝበፅሓ እንትኾና፤ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ድማ ናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ኣይከኣለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦…