ስፓርት
ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሸገር ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሸገር ከተማን 1 ን 1 ማዕረ ተፈላሊየን።
ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ናይ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ሸቶ ኮንኮኒ ሃፊዝ እንተመዝግብ÷ ሄኖክ ኣዱኛ ድማ ናይ ሸገር ከተማ ሸቶት ኣመዝጊቡዋ።
መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ቀፂሉ እንትካየድ ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም ሰዓት 10 ምድረ ገነት ሽረን ኣርባ ምንጭ ከተማን ክራኸባ ኢየን።
ከምኡ እውን ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን…
Read More...
ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ 9 ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ እውን ቀፂሉ እንትካየድ ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ሰዓት 5 ኢሎምፒክ ማርሴ ምስ ሊቨርፑል፣ ስላቪያ ፕራግ ምስ ባርሴሎና፣ ባየር ሙኒክ ምስ ሮያል ዩኒየን ከምኡ እውን ቼልሲ ምስ ፓፎስ ክፃወታ ኢየን።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣታላንታ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ፣ ጁቬንቱስ ምስ ቤኔፊካ ከምኡ እውን…
ኢንተር ሚላን ምስ ኣርሰናል – ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ዙር ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ እዚ ውድድር ዓመት ብብሕትነት ኩሎም ፀወታታት ክትስዕር ዝኸኣለት ኣርሰናል፤ ናብ ጣሊያን ብምምራሕ ምሸት ሰዓት 5 ምስ ኢንተር ሚላን ክትገጥም ኢያ።
ኣብቲ ዕለት ፈላማይ መርሃ ግብሪ ምሸት ሰዓት…
ካፍ ንኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ካብ ስራሕ ኣጊዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ)ካፍ ንኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ፔፔ ቲያው ካብ ስራሕ ኣጊዱ፡፡
ካፍ ኣብ ፍፃመ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሴኔጋልን ሞሮኮ ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ዝተርኣዩ ጉድለታት ስነ ምግባር እናመርመረ ምፅንሑ ኣፍሊጡ፡፡
ካፍ ብዝገበሮ ምርመራ ኣሰልጣኒ ፔፔ ቲያው ናይቲ ዕለት ዳይና ዝነበሩ ጂን…
ሞሮኮን ሴኔጋልን ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምልዓል ክጋጠማ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 35 ፅዋዕ ኣፍሪካ ኣሰናዳኢት ሃገረ ሞሮኮን ሴኔጋልን ዋንጫ ንምልዓል ናብ ሜዳ ክኣትዋ ኢየን።
እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 4፡00 ኣብ ዋና ከተማ ሞሮኮ ዝኾነት ራባት ስታዲየም ፕሪንስ ሙላይ ኣብደላ ክካየድ ኢዩ።
ኣብ ቅድሚ ደገፍቱ ዝፃወት ብሄራዊ ጋንታ ሞሮኮ ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ምስ ናይጄሪያ ዝገበሮ ፀወታ ብመፍለዪ…
ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ማንቼስተር ሲቲ ዓወት ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 22 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ማንቼስተር ሲቲ 2 ን 0 ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣብ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ደርቢ ማንቹሪያን፤ ዩናይትድ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ብሪያን ሙቤሞን ፓትሪክ ዶርጉን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብከተማ ተናሓናሒታ ማንቼስተር…
ፀወታ ደርቢ ማንቹሪያን …
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ሰዓት 9፡30 ኣብ ስታዲየም ኦልድትራፎልድ ኣብ ዝሳለጥ መበል 22 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ክራኽባ ኢየን።
ምስ ኣርሰናል ብ6 ነጥቢ ትሕት ኢሉ ዝርከብ ማንቼስተር ሲቲ ኣብቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝገበሮም ዝሓለፉ ፀወታታት ማዕረ ምፍልላዩ ይዝከር።
ክልቲኦም ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ…