ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ 15 ሜዳሊያታት ኣኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣሰናዳእነት ጋና እናተኻየደ ኣብ ዝቐነየ መበል 24 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 15 ሜዳሊያታት ብምእካብ ውድድራ ዛዚማ። ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ኣጃይባ ኣልዩ፣ ምስጋና ሃይሉ፣ ገመቹ ጎዳና፣ ምስጋናው ዋቁማን ውብኣለም ሽጉጤን ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኦም። ኣትሌት ኦታጌ ኦባንግ፣ ሙቢን ሃጂን ኣትሌት ሓጎስ ኢዮብን ሜዳሊያ ብሩር ዘምፅኡ ኣትሌታት ኢዮም። ኣትሌት ኣልማዝ፣ ሳሙኤል ፍሬው፣ ዝይን ኣየልኝ፣ በፀሎት ኣለማየሁ፣ ኣሰፉ ኣብርሃን ኣብዱልሰላም ኣብዱልዋሂብን…
Read More...

ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2026 ብደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ተዓዊታ፡፡ ኣትሌት ብርቄ ነቲ ርሕቐት 3 ደቒቕ 55 ሰከንድን 56 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብዓወት ዛዚማ፡፡ እታ ኣትሌት ክብረወሰን እቲ ውድድር ብምምሕያሽን ናይቲ እዋን ቅልጡፍ ሰዓትን ብምምዝጋብ…

ማንቼስተር ሲቲ ሻምፒዮን ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ኮይና

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ሲቲ ንቼልሲ ብምስዓር ሻምፒዮን ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ዓመተ ውድድር 2025/26 ኮይና፡፡ ሰዓት 11 ኣብ ስታዲየም ዌምብሌይ ዝተኻደ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ፍፃመ ብሕታዊት ሸቶ ማንቼስተር ሲቲ ኣንቷን ሴሜንዮ ኣመዝጊቡዋ፡፡ ድሕሪ 2023 ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ዘሳኸዐት ማንቼስተር ሲቲ ኣብቲ መድረኽ ንሻምናይ ግዘ…

ተዓዋቲት ወርቂ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣርሰናል ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 38 ፀወታታት ሓንቲ ፀወታ ከይተሳዕረት ተዓዋቲት ወርቂ ዋንጫ ምኳን ዝኽኣለት እንኮ ክለብ እያ። ሰሜናዊት ክለብ ለንደን"ዘ ኢንቪንስብል" (ዘይስኮኑ) ብዝብል ዝፍለጥ ብድሙቕ ታሪክ ዝፀሓፈ ቅድሚ 22 ዓመት ከምዛ ሎሚ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ብፈረንሳዊ ኣሰልጣኒ ኣርሴን…

ምድረ ገነት ሽረ ንኢትዮጵያ ቡና ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምድረ ገነት ሽረ ንኢትዮጵያ ቡና 1 ን 0 ስዒራ፡፡ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ብሕታዊት ሸቶ ምድረ ገነት ሽረ ኣቤል እንዳለ ኣመዝጊቡዋ፡፡ ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም ምሸት ሰዓት 12 መቻል…

ሕፁያት ዝበለፁ ኣሰልጠንቲ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ እዚ ዓመት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕፁያት ዝበለፁ ኣሰልጠንቲ ዓመተ ውድድር 2025/26 ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዕላዊ ኮይኖም፡፡ በዚ ድማ ኣሰልጣኒ መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ሚኬል ኣርቴታ፣ ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ሲቲ ፔፕ ጓርዲዮላን ኣሰልጣኒ ጋንታ ማቼስተር ዩናይትድ ማይክል ካሪክን ኣብቶም ሕፁያት ተኻቲቶም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣሰልጣኒ ጋንታ ብሬንትፎርድ…

ሕፁያት ዝበለፁ ተፃወትቲ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ እዚ ዓመት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓመተ ውድድር 2025/26 ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሕፁያት ዝበለፁ ተፃወትቲ ዕላዊ ኮይኖም፡፡ በዚ ድማ መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ሰለስተ ተፃወትቲ ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ብምምራፅ ቀዳመይቲ እንትትከውን÷ ሓላዊ ልዳት ዴቪድ ራያ፣ ጋብሬል ማጋሌሽን ዴክላን ራይስን ተኻቶም፡፡ ማንቼስተር ሲቲ ድማ ኤርሊንግ ብራውት ሀላንድን…