ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣካል ልምዓት ኮሪደር ገፀር ዝኾነን ዘበናዊ ሞዴል መንደር ሃማሳ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፉት ገይሮም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ 79.4 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን ኣካል ልምዓት ኮሪደር ገፀር ዝኾነን ዘበናዊ ሞዴል መንደር ሃማሳ ሎሚ ብዕሊ ተመሪቑ ኢሎም።
እቲ መንደር ናብራን ፍሪያትን ሓረስቶት ንምዕባይ ዝሕግዙ ዘበናዊ መሕፀቢ ክፍልታት፣ ገበላ፣ ናይ ኣትክልቲ ቦታን ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ብተወሳኺ ባዮ ጋዝን ጎዶ ንህቢን ዝተማልአሉ ብምዃኑ ንነበርቲ ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ዘረጋግፅ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።