ኣዲስ ኣበባ፣1 ሕዳር ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪየ ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋን ተዛትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ገፆም ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘስፈርዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ዋዜማ ጉባኤ መራሕቲ COP31 ኣብ ኣንታልያ ቱርኪየ ብምርካብ ምስ ፕሬዚዳንት ኤርዶጋን ፍረ ዘለዎ ዘተ ከም ዘካየዱ ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጠንካራ ሽርክነት መሰረት ብምግባር፣ ክልተኣዊ ምትሕብባርና ብዝያዳ ንምጥንኻር ብዛዕባ ዘለዉ ዕድላት ዘተ ከምዘካየዱ ሓቢሮም።
ቱርኪየ ንጉባኤ COP31 ንምትእንጋድ ዝገበረቶ ምድላውን እቲ ጉባኤ ብድምቀትን ብዓወትን ንኽዛዘም ትገብሮ ዘላ ፃዕሪን ኣድናቖተይ ይገልፅ ኢሎም።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንፕሬዚዳንትነት COP32 ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ዘላ ምድላው ዘድሊ ምትሕብባርን ኣብ ሓባራዊ ትኹረት ዝደልዩ ዞባዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ክንተሓባበረሎም እንኽእል ዕድላት ተዓዚብና ክብሉ ገሊፆም።