ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል መውሊድ ናይ እንቋዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንመበል 1501 ነብዩ መሓመድ (ሰዐወ) መውሊድ በዓል ናይ እንቋዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፍዎ ሙሉእ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦

እንኳዕ ንመበል 1501 ዓመት በዓል መውሊድ ነቢዩ ሙሓመድ (ሰዐወ) ብሰላም ኣብፅሓኩም።

ታሪኽ ነቢዩ ሙሓመድ ካብቶም ንወለዶ ብሰናይ ዝቕረፁ ታሪኻት ሓደ እዩ። ነቲ ዝተፀውዑሉ ዕላማ ምኽባር፣ ንዕላማኦም ዋጋ ምኽፋል፣ ነቲ ዝተፀውዑሉ መልእኽቲ ንኻልኦት ምክፋልን ብኽብሪ ምንባርን እዚኦም ኩሎም ካብ ሽሕ መፃሕፍቲ ክወፅኡ ዝኽእሉ ትምህርትታት እዮም።

ነቢዩ ነቲ ዝተፀውዑሉ ዕላማ ብግቡእ ስለ ዝተረድኡ ብኽብሪ ነቢሮምሉ። እቲ ዝተፀውዑሉ ነገር ተራን ሕሱርን ነገር ከምዘይኮነ ተገንዚቦም። ዝተፀውዑሉ ዕላማ ወለዶ ንምቕራፅን ታሪኽ ንምቕያርን ምዃኑ ኣሚኖም። ነዚ ድማ ብቓሎም፣ ብስራሖምን ብኣነባብራኦምን ኣኽቢሮምዎ።

ንዓብዪ ሃገራዊ ዕላማ ተፀዊዕና ኢና ኢልና እንተኣሚንና፣ ህይወት ነቢዩ ዓብዪ ትምህርቲ ክኾነና እዩ። ንዝተፀወዐልና ዕላማ ብዘተ፣ስራሕን ህይወትናን ንግለፆ፡፡

ነቢዩ ሙሓመድ (ሰዐወ) ንዝተፀውዑሉ ዕላማ ዋጋ ከፊሎም። ካብ መንበሪኦም ተሰዲዶም፣ ምግብን መዕቆብን ተኸልኪሎም፣ ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም። ናብ ሞት ዘብፅሑ ፈተናታት ሓሊፎም። ኲናት ተኸፊቱሎም። እንተኾነ ንኹሉ ብሓይሊ ኣላህ ስዒሮም። ክብሪ ብዘይ መከራ ኣይርከብን እዩ።

ናይ ሓቂ ሰብ ንዕላማኡ ከም ነቢዩ ሙሓመድ (ሰዐወ) ዋጋ ይኸፍል። እቲ ዕላማ ዘምፅኦ ክብርን ጥቕምን ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ዕላማ ዝጠልቦ መስዋእትነት ንምኽፋል እውን ድሉው ይኸውን።

ነቢዩ ሙሓመድ (ሰዐወ) ካብ ኣላህ ዝበፅሖም መልእኽቲ ንዕኦም ጥራይ ኣይዓቀቡን። ነቲ ዝተፀውዑሉ መልእኽቲ ንኻልኦት ንምክፋል ተጊሆም። መጀመርታ ንብዙሓት ውሑዳት ሰባት፣ ድሕሪኡ ንቀረባ ሱሓባታት፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዓለም መልእኽቶም ኣብፂሖም።

ንሶም ዝዘርኡዎ ዘርኢ እናፈረየን እናዓበየን ቀፂሉ። ዕላማና ንሕና ምፍላጥናን ምእማንናን ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ካልኦት እውን ክፈልጡን ክኣምኑን፣ ከም ነቢዩ ተጊህና ክንደክም ኣለና።

በዓል መውሊድ ነቢዩ ሙሓመድ ክነኽብር እንከለና፣ ካብ ህይወቶም እናተማሃርና፣ ነቲ ዝተማሃርናዮ ንሃገር ምህናፅና እናተጠቐምናሉ ክንከውን ሓደራ ይብል።

ብድጋሚ ሰናይ በዓል መውሊድ ይኹነልና።

ኢትዮጵያ ብደቃ ተኸቢራን ተሓፊራን ንዘለኣለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

ነሓሰ 19 2018 ዓ.ም

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment