ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ባርቤዶስ ሚያ ሞትሊ ተዛቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ጎድና ጎድኒ ጉባኤ መራሕቲ ኮፕ31 ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ባርቤዶስ ሚያ ሞትሊ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራትና ሓበራዊ ትኹት ኣብ ዝጠልቡ ጉዳያት ተዛቲና ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ምትሕብባር ኣቪዬሽንን ንኢትዮጵያ ፕሬዚዳንትነት ኮፕ32 ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ምሕዝነት ኣድሂብና ተዛቲና ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓበራዊ ድሌታትና መሰረት ብምግባር ክልተኣዊ ርክብና ብዝበለፀ ንምስፋሕን ቀዳምነት ዝወሃቦም ሓበራዊ ጉዳያትን ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንምልዋጥ ዘኽእል ዕዉት ልዝብ ምግባሮም ኣመልኪቶም።
#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation