ኣዲስ ኣበባ፣29 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ግዕዝይና ንሃገር ንድሕሪት ዝጎትትን ንጉዕዞ ዕቤት ዕንቅፋት ዝኸውንን ተግባር እዩ።
ሃፍቲ ሃገር ብምብኻን ማሕበረሰብ ዝግበኦ ረብሓ ከይረክብ ይገብር።
መንግስቲ መደመር እዞም ብልሽዋት ኣሰራርሓታት ንምክልኻልን እምነት ዝውሕስ ትካላት ንምህናፅን ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ክገብር ፀኒሑ እዩ። ኣሰራርሓ ትካላት ብዲጂታል ብምምዕባል ኣብ ስርቂን ምጥፍፋእ ሃፍትን ዘሎ ተቓላዕነት ንምንካይ ይሰርሕ ኣሎ።
ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ መርመራታት ብምክያድ ኣብ ገበናት ተሳቲፎም ዝተረኽቡ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር ስራሕቲ ተኻይዶም እዮም።
ኣብ ዓመተ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ልዕሊ 1 ሽሕን 600ን መዛግብቲ ግዕዝይና ተመርሚሮም እዮም ከምኡ’ውን ልዕሊ 300 መዛግብቲ ተኸፊቶም ልዕሊ 400 ተኸሰስቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እዮም።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ 7ይ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ቦታ ዝምጥኑ እዮም ዝበልዎም ኣባላት ካቢነ መንግስቲ መደመር ኣቕሪቦም።
እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ነቲ ሹመት ድሕሪ ምግምጋም ኣፅዲቕዎ።
እቲ ሹመት ሓላፍነት ሃገር ዝህበቶም ሰባት ካብ ግዕዝይና ክሳብ ክንደይ ናፃ ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ከባቢኦም ዝፍፀሙ ተግባራት ግዕዝይናን ብልሹዋት ኣሰራርሓታትን ንምክልኻል ዘለዎም ድልውነት ተፀኒዑን ተፈቲኑን ከም ዝተወሰነ የመልክት።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከም ዝገለፅዎ ኩሎም ሚኒስትራትን ሚኒስትር ዴኤታታትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዝዩ ምስጢራዊ ክትትል ክግበረሎም ፀኒሑ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወፃኢ ሃገራትን ዝነበሮም ንጥፈታት፣ ምስ ደቆም፣ ምስ መፃምዶምን ምስ ዝራኸብዎም ሃፍታማትን ዘለዎም ርክባት ብምስጢር ክትትል ክግበረሉ ፀኒሑ እዩ። ብግዕዝይና ዝተጠርጠሩ ሚኒስትራት ናብ ኣባልነት ካቢነ ፈፂሞም ኣይተኻተቱን ክብሉ ገሊፆም።
እዚ ውሳነ መንግስቲ ናይ ሃገር ሕድሪ ክፍፅሙ፣ ሸክማ ከቕልሉላ፣ ሓላፍነት ዝስምዖምን ኣብ መንጎ መንግስትን ዜጋታትን እምነት ከጠናኽሩ ዝኽእሉን ኣባላት ካቢነ ብምሻም ንኢትዮጵያ ዘኹርዕ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ የርኢ።
ብቤተልሄም ግርማ