ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)በሪ ባሕሪ ንዝኾነት ትኹን ሃገር ብመንፅር ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ድሕንነትን ዓለምለኻዊ ርክባትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ሃፍቲ እዩ።
ኣብ ዓለም መብዛሕትኡ ንግዲ ብባሕሪ መጓዓዝያ ስለዝፍፀም፣ በሪ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ኣብ ኢኮኖሚ ልዑል ተወዳዳራይነት ክህልወን ይሕግዝ።
ብኣንፃሩ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ንግዲ፣ ሎጂስቲክስ፣ ሃገራዊ ፀፅታን ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ብዙሕ ብድሆታት ክጋጠመን ይግደዳ።
ኢትዮጵያ ብታሪኻውያን ፀላእቲን ብውሽጣዊ ባንዳታትን ብዝተወጠነ ሽርሒ በሪ ባሕሪ ድሕሪ ምሽኣና፤ ኣብ ብዙሓት ዓውድታት ዝተፈላለዩ ፈተናታት እናጋፈጠት ትርከብ።
በሪ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ፍርያት ብቐሊሉ ናብ ወፃኢ ክልእኻን ካብ ወፃኢ ናብ ሃገር ከእትዋን ይኽእላ፤ እዚ ድማ ኣብ ንግዲ ዓለም ተወዳደርቲ ክኾና ይሕግዘን።
እዚ ድማ መጠን ንግዲ ብምዕባይ፣ ፃቶት ሸርፊ ወፃኢ ክውስኽ ኣስተዋፆኦ ይገብር።
ኣብ ጥቓ ወደባት ዝርከቡ ፋብሪካታት ጥረ ኣቕሓ ብቐሊሉ ከእትዉ ይኽእሉ፣ ዝፈረዩ ፍርያታት ድማ ብቕልጡፍ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንምቕራብ ምቹው ኩነታት ይፈጥር። እዚ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ንዕብየት ኢኮኖሚን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ይገብር።
በሪ ባሕሪ ኣብ ምንካይ ወፃኢታት መጓዓዝያን ሎጂስቲክስን ልዑል ተራ ይፃወት።
መጓዓዝያ ባሕሪ ምስ መገዋዓዝያ ኣየርን ምድሪን እንትነፃፀር ዝተሓተ ወፃኢ ኣለዎ። ስለዚ ድማ ንግዳዊ ኣቕሑ ብብዝሒን ብተመጣጣኒ ዋጋን ናብ ተጠቀምቲ ከብፅሕ የኽእል።
በሪ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ብሎጂስቲክስ ምቹዋት ብምዃነን ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብቐሊሉ ይስሕባ። እዚ ድማ ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት፣ ዕድላት ስራሕን ስግግር ቴክኖሎጂን የተባብዕ።
በሪ ባሕሪ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ረብሑኡ ኣዝዩ ልዑል እንትኸውን፤ ወደብ ዘለወን ሃገራት ኣብ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ንግዲ ልዑል ተራ ይፃወታ። እዚ ድማ ናይ ዲፕሎማሲ ዓቕመንን ኢኮኖማዊ ፅዕንቶአነንን የጠናኽር።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕራ ብምስኣና ዘጋጠማ ጉድኣት ብብዙሕ መዳያት ዝሓዘ እንትኸውን፤ ካብ ሞንጎ እዚ ልዑል ወፃኢታት መጓዓዝያ፣ ክራይ ወደብን ካልኦት ተዛመድቲ ወፃኢታትን ዝፅሑ እዮም።
ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ እተእትዎምን ናብ ወፃኢ እትልእፃምን ፍርያታት ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ወደባት ብምጥቃም ተጓዓዕዝ፡፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ወፃኢታት መጓዓዝያን ክፍሊት ወደብን የስዕበላ።
ወፃኢታት መጓዓዝያ ምስ ዝውስኽ፣ ዋጋ ናይቶም ዝኣትዉ ንብረታት እውን ይውስኽ። እዚ ብፍላይ ኣብ ዋጋ ቀረብ ነዳዲ፣ ማሽነሪታት፣ መድፃኒታትን ካልኦት መሰረታዊ ኣቑሑትን ልዑል ፅዕንቶ የሕድር።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘይብላ ምዃና፤ ኣብ ወደባትን ኣገልግሎታት መጓዓዝያን ጎረባብቲ ሃገራት ክትምርኮስ ኣገዲድዋ እዩ።
ወደብ ኣልባ ምዃን ተወዳዳራይነት ኢንዱስትሪ ዘዳኽም እንትኸውን፤ ወፃኢታት ፃፍረዪ እንትውስኽ ፍርያት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎ ተወዳዳርነት ይንኪ።
መንግስቲ መደመር እዚ ከቢድ ፈተና ክውዳእ ኣለዎ ብዝብል ኣተሓሳስባ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ብምልዓል መፍትሒ ንምርካብ ብትኹረት ይሰርሕ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላማዊ ዘተ፣ ብኢኮኖምያዊ ምትሕብባርን ዓለም ለኻዊ ሕጊን መሰረት ብምግባር ተረባሒት ንምግባር ዝገብሮ ፃዕሪ ይቕፅል ኣሎ።
ኢትዮጵያ ብዘላቕነት በሪ ባሕሪ ተዓፅያ ክትነብር ከም ዘይትኽእል ብምግንዛብ፤ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንፍትሓዊ ሕቶኣ ግቡእ ምላሽ ክረክብ ሓገዝ ክገብር ይግባእ።
መላእ ኢትዮጵያውያን እውን እዚ ቁልፊ ሃገራዊ ሕቶ ግቡእ ምላሽ ክሳብ ዝረክብ ብሓድነት ደው ክብሉ ይግባእ።
ብኣቤል ነዋይ