ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል መስቀል ደመራ ብድምቀት ንኽኽበር ብቑዕ ምድላው ኢሉ ዋና ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሌተናል ጄኔራል ኣስራት ዴኔሮ።
ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣዲስ ኣበባ፣ ቤት ፅሕፈት ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያንን ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብምትሕብባር ንቅድመ ምድላው በዓል መስቀል ደመራ ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።
ሌተናል ጄኔራል ኣስራት ዴኔሮ ኣብቲ መድረኽ፣ በዓል መስቀል ደመራ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብድምቀት ዝኽበርን ብብዙሕ ህዝቢ ዝሳተፍን ናይ ኣደባባይ በዓል ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ በዓሉ ከተኣጓጉል ዝኽእሉ ኩነታት ከይፍጠሩን እቲ በዓሉ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀጥታ ብድምቀት ንኽኽበርን ብቑዕ ምድላው ከም ዝተገብረ እውን ኣመልኪቶም።
እቲ በዓል ብሕቡራት መንግስታት ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን(ዩኔስኮ) ብዘይድህሰስ ቅርሲ ተመዝጊቡ ምህላዉ ብምዝኽኻር፣ በዓል መስቀል ደመራ ምስሊ እታ ሃገር ብዝሃንፅን ሓድነት ብዝያዳ ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር ከምዝግባእ ኣስገንዚቦም።
ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ በዓሉ ዝኽልከሉ ነገራት ንምዕመናን ብምሕባር ከምኡ’ውን ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምትሕብባር እቲ በዓል ብድምቀት ንኽኽበር ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም።
ብሳራ ስዩም