ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔን ሆረ ሃርሰዴን ብድምቀት ተኸቢሩ ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ተገይሩ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኢሉ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕነትን።
እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ከምዘፍለጦ፣ እቲ በዓል ብድምቀት ተጀሚሩ ንኽዛዘም ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ሓይሊ ሰብ ብምውፋር ጥብቂ ክትትልን ሓለዋን እናተገበረ እዩ።
ሕብረተሰብ ንሓይልታት ፀጥታ ኣድላዪ ምትሕብባር ብምግባር ግቡእ ክዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ።
ሕብረተሰብ ስግኣት ፀጥታ ክኾኑ ዝኽእሉ ኣጠራጣሪ ኩነታት እንተተዓዚቡ ብመተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት (EFP App)፣ ብነፃ መስመር ስልኪ (991)፣ ብሰብ ኣልቦ ስማርት ፖሊስ ጣብያ ወይ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ሓይልታት ፀጥታ ሓበሬታ ክህብ ተሓቲቱ።
ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕነትን እቲ በዓሉ ናይ ሰላም፣ ጥዕናን ሓጎስን ክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።