ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዘለዋ ተፈጥሯዊን ባህላዊን ፀጋታት ናብ ዝለዓለ ዓቕሚ ኢኮኖሚን ቱሪዝምን ንምቕያር እትገብሮ ዘላ ጉዕዞ ብግልፂ ዘርእየዩ ብዙሓት ስራሕቲ ትፍፅም ኣላ።
ብናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምፍልፋል ሓሳብን ብመርሃ ግብሪ “መኣዲ ንሃገር”ን ዝተሃነፀ መንደር ቤኑና፣ ቅድም ክብል ደረቕን ጠመተ ዘይተረኸበን ዝነበረ መሬት ናብ ምልኩዕ ሓምለዋይ ገነት ብምቕያር ዓቕሚ ልምዓት ሃገር ብተግባር ዘርእየ ሓድሽ ኣብነት ልምዓት እዩ።
እዚ ካብ ከተማ መተሃራ ብቐረባ ርሕቐት ዝርከብ ሰፊሕን ውቁብን መንደር ምስ ተፈጥሮ ብሙሉእ ስምምዕ ተሃኒፁ ኣሎ። ናብ ውሽጢ ዝኣትዉ በፃሕቲ ብየማንን ፀጋምን ተሰሪዖም ብዝርከቡ ኣግራብ ምኽንያት ዝሑልን መንፈስካ ዝህድስን ኣየር ይረኽቡ።
ውዑይ ኣየር ዘለዎ ክሊማ እቲ ከባቢ ብምፅዋር ዝተፈጥረ ሓምለዋይ ስነ-ህይወታዊ ስርዓት ገዚፍ ወሓዚ ሩባ በሰቃ ኣብ ውሽጡ ሓቚፉ ይርከብ።
መንደር ቤኑና ተፈጥሮኣዊ መናፈሻ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ባህላዊ ኪነ-ሕንፃ ምስ ዘመናዊ ምህንድስና ብሓደ ዝተዋሃሃደሉ ማእከል እውን እዩ። ብለምለም ሳዕሪ ዝተኸበቡ መገዲታት ባህላዊ ታሪኽን ክብሪታትን ዘጉልሁ ኣዝዮም ሰሓብቲ ቅርፃ ቅርፂታት ይረኣዩ።
እቲ መንደር ካብ መሀደሲ ስፍራ ብተወሳኺ ብዙሓት ኣገልግሎታት ዝሓቖፈ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጡ ዝተሃነፁ ባህላዊን ዘበናዊን ሬስቶራንትታት፣ ካፌታት፣ ዘመናዊ መደቀሲ ክፍልታት፣ መአከቢ ኣዳራሻትን ሲኒማ ቤታትን ዝሓዘ ንበፃሕቲ ሙሉእ ዝኾነ ምቾት ዝፈጥሩ ኢዮም።
እዚ ዓብዪ ፕሮጀክት ፅንዓትን ራእይን ሰኒቑ ብቑርፀኝነት ምስርሕ እንተተኻኢሉ ዘይልወጥ ከምዘየለ ብተግባር ዘርኣየ ሓድሽ ገፅታ ኢትዮጵያ እዩ።
መንደር ቤኑና ንከባቢ ማሕበረሰብ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር፣ ብብርኪ ሃገር ቱሪዝም ብምንቅስቓስ፣ ዝተረስዑ መሬታት ናብ ፍልፍል ሃፍቲ ብምቕያር ዓብዪ ኣሰር ኣንቢሩ ኣሎ።
ብዮናስ ጌትነት