ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝቐረቡሉ ሽመታት ፅዲቑ፡፡
ብመሰረት እዚ
1ይ. ኣይተ ሚሊዮን ማቲዎስ – ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ስራሕን ክእለትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣
2ይ. ኣይተ ኣሰግደዉ ሃ/ጊዮርጊስ – ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣
3ይ. ኣይተ ሰለሞን ዲባባ – ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣዲስ ሚዲያ ኔትዎርክ ብምዃን ተሾይሞም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ን2018 ዓ.ም 9 ነጥቢ 94 ቢሊየን ብር ተወሳኺ በጀት ኣፅዲቑ፡፡
ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ብሓፈሻ 9 ነጥቢ 94 ቢሊየን ብር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡