ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሕገ መንግስታዊ ልኡኽቶታት እናተዋፀአ ይርከብ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር እቲ ቤት ምኽሪ ሕገ መንግስታዊ ልኡኽቶታት እናተዋፀአ ይርከብ ኢሎም፡፡

“ግደ ትካላት ኣብ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሰልጣን፣ ዳይነትን ፍትሒን” ብዝብል ርእሲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምስ ኢንስቲትዩት ሕጊን ፍትሒን ፌዴራል ብምትሕብባር ዘሰናደኦ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ መሰል ውልቀን ጉጅለን ኣብ ምኽባር ብዙሓት ስራሕቲ በቲ ቤት ምኽሪ ተሰሪሖም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሕገ መንግስቲ ናይ ሓንቲ ሃገር ላዕለዋይ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢታት ብሓባር ንምንባር ዝተስማዕምዑሉ ቃል ኪዳንን ገደብ ስልጣን መንግስቲ ዝቕመጠሉን ሰነድ ኢዩ ኢሎም።

ብምዃኑ ድማ ልዕልነት ሕጊን ስልጣን መንግስቲን ብግቡእ ኣብ ረብሓ ክውዕል መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባአ ኣብሪሆም።

ብዙፋን ኣምባቸው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment