ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ እዋናዊ ኩነታት ከይዲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝምልከት ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዩ፡፡

ኣካቢት እቲ ቦርድ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ እቲ መድረኽ ፓርቲታት ኣብ ምድላው መረፃ ዘጋጠሙዎም ፀገማት ብምልዓል መፍትሒ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ፡፡

ቦርድ መረፃ ንመዓልቲ መረፃ ሒደት መዓልቲታት ኣብ ዝተረፉዎ እዋን ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስቶም ፓርቲታት ከምዝዘተየ ተዛሪበን።

ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ብኣካል ብምርኻብ ካብ ምዝታይ ብተወሳኺ ልውውጥ ሓበሬታ ንምቅልጣፍ ዲጂታል ኣማራፂታት ከምዝጥቀም ገሊፀን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ዝተሳተፉ ፓርቲታት ንጎስጓስ መረጣ ዝተደልደለ ገንዘብ ውሱን ምዃን፣ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ፀፅታን ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተወዳደርቲ ዝበፅሕ ምንግልታዕ ሓዊሱ ኣጋጢሙ ዝበሉዎም ፀገማት ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ታሕተዋይ ውዳበ መንግስቲ ዝርከቡ ኣስፈፀምቲ ምትሕልላፍ ደምቢ እናተፈፀመ ይርከብ ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ፥ መዓልቲ ምሃብ ድምፂ ንኽናዋሕ እውን ነቲ ቦርድ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡

እተን ኣካቢት ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ፤ ፓርቲታት ዘጋጠሙዎም ፀገማት ንምፍታሕን ተሓታትነት ንምዕሳል ጥርዓኖም ብሓሬታ ኣደጊፎም ንኸቕርቡ ኣገንዚበን፡፡

Comments (0)
Add Comment