ብሓምለዋይ ኣሰር ዝዓረቐ መሬት ዳግም ይሓዊ ኣሎ

መርሃ ግብሪ ሓለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ክዓቢ ገይሩዎ ኣሎ።

ኣብ ሓደ እዋን ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ሚኢታዊ ሽፋን ደኒ ከም ዝነበራ ይንገር።

ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ዘላቒ ዘይኮነ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲን መሬትን፤ ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ናብ 3 ሚኢታዊ ወሪዱ ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን።

ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ 2011 ዓ.ም እንትጅምር ካብ ዝነበሮ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ሽፋን ደኒ፤ ሕዚ ግን ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ አዕብዩ እዩ።

እዚ መርሃ ግብሪ ተጠናኺሩ ብምቕፃሉ፣ ሽፋን ደኒ ንምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ነዚ ውፅኢት ብምቕፃል፣ ሽፋን ደና ናብ 30 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ብትኹረት እናሰርሐት ትርከብ።

ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ልምዓት ደኒ ረብሕኡ ብተወሳኺ ምጉሕጓሕ መሬት ንምንካይ ከምኡ እውን ልሙዕ ሓመድ ብማይ ከይውሰድ ልዑል ግደ ክፃወት ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ካብ ዝሕረስ መሬት በቢዓመቱ 130 ቶን ዝሽረሽር ዝነበረ መጠን ሓመድ ብ50 ሚእታዊ ነክዩ እዩ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኽሉ ፈልሲታት ምኽንያት፣ ምጉሕጓሕ ሓመድ ብምንካዩ፤ ቅድም ክብል ብውሕጅን ንፋስን ዝውሰድ ዝነበረ ለሙዕ ሓመድ ብኣእዋምን ሳዕሪን ስለ ዝተሸፈነ እቲ ሓመድ ኣብ ቦታኡ ክረጋጋእ ገይሩዎ ኣሎ።

ዝዓረቐ መሬት እፅዋት እንትቦቕሉሉ ናይትሮጅንን ካልኦት ንልሙዕነት ሓመድን ኣገደስቲ ዝኾኑ መዓድናት ብባህርያዊ መንገዲ ዳግማይ ይምለሱ ኣለዉ።

ቅድም ክብል ንሕርሻ ዘይጠቕሙ ተባሂሎም ዝተሓደጉ በረኽቲ ጎቦታትን ገደላማ ቦታታትን ዳግም ስለዝሓወዩ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዝስማዕምዑ ዝራእቲን ልምዓት ፍረምረን ክውዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

መሬት እንትሓዊ ናይ ዝናብ ማይ ናይ ምምጣጥ ዓቕሙ ስለዝውስኽ፣ ማይ ከርሰ ምድሪ ዝደረቑ ፈላፍልን ወሓዝቲ ሩባታትን መሊሶም ንኽፈስሱ ገይሩ እዩ።

ኣብ ቀረበኦም ዝርከቡ ኣማራፂታት ማይ ብምውሳኾም ሓረስቶት እግሪ ዝተኽሉሎምን መዋሰንቲ መሬታት ኣብ ዓመት ክልተን ሰለስተን ግዘ ብመስኖ ንኸፍርዩ ኣኽኢሉዎም እዩ።

ዝተተኸሉን ዝሓወዩን መሬታት ንእንስሳት ዝሐሸ ሳዕሪን ቆፅለመፅሊን ፍልፍል ምግቢ ብምዃን ፍርያት ፀባን ስጋን ኣደንፊዖም እዮም።

ማሕበረሰብ ካብ ዝሓወዩ ደኒታት መዓር ምብርባር፣ ናይ ጨናፍር ዕንፀይቲታት ብትልሚ ብምሻጥን ዕጣንና ቀንጨጫዓን ብምእካብ ተወሳኺ እቶት ክረክብ ጀሚሩ ኣሎ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment