ብምኽክር ንኢትዮጵያ ነፅንዕ …

ምኽክር/ዘተ ዝተሓላለኹ ፀገማት ብሰላማዊ፣ ብልጡንን ዘላቒ ብዝኾነን መገዲ ንምፍታሕ የኽእል፡፡

ጎንፂታት ብሓይሊ ንምፍታሕ ካብ ምፍታን ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብምልዛብ ንምፍታሕ ምስራሕ ኩለመዳይ ረብሓታት ኣለዉዎ፡፡

ምዝታይ ወዲ ሰብ ካብ ዘማዕበሎም ኣዚዮም ስልጡናት፣ ሰላማዊን ዘላቒን ፀገማት ምፍትሒን ዕቤት መሳርሒታት ሓደን ናይ መጀመርታን ኢዩ።

ውልቀሰባት፣ ማሕበረሰባት ወይ እውን ሃገራት ዘጋጥሙዎም ዝተሓላለኹ ሓሳባት፣ ናይ ረብሓን ታሪኽን ኣፈላላያት ብሓይሊ ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምፍታን ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ተጠቒሞም እንትዝትዩ ዘላቒ መፍትሒ የዳልዉ፡፡

ዘተ ሓደ ወገን ተሰዓራይ ወይ እውን ናይ ካሊእ ወገን ተዓዋቲ ዝረጋገፀሉ ዘይኮነስ፣ ክልቲኦም ወገናት ተዓወትቲ ዝኾኑሉ ናይ ስልጣነ ሜዳ ኢዩ።

ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ዘጋጠሙዋ ታሪኻዊን ዝተሓላለኹን ፀገማት ወፂኣ ጥንኩር ሃገረ-መንግስቲ መሰረት ምንባር እትኽእል፣ ዜጋታታ ኣፈላላያት ኣብ ዓውደ ኲናት ዘይኮነስ ኣብ ዘተ ኣደባባያት ከተኣናግዱ እንትኽእሉ ጥራሕ ኢዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝፀንሑ ዝተዋደዱን ፖለቲካዊን ቅርሕንቲታት ኣለዉ፡፡ እዞም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕን ዝይልወጥ ጥንኩር ሃገረ-መንግስቲ ንምህናፅ ዘተ ኣዚዩ ኣድላዪ ኢዩ፡፡

ኣብ ሃገራዊ ምልክታት (ሰንደቕ ዕላማ)፣ ሕገ-መንግስታዊ ውዳበ፣ ሕቶታት መንነትን ኣብ ያታ ታሪኽን ናይ ፖለቲካ ልሂቃንን ማሕበሰቡን መሰረታዊ ኣፈላላያት ኣለዉ፡፡

ዘተ እዞም ኣፈላላያት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብምልዓል ኣብ ሓበራዊ ሸቶ ኣብ ምርድዳእ ንምብፃሕ ወሳኒ ኢዩ፡፡

ኣፈላላያት ብሓይሊን ብኲናትን ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕሪታት ነታ ሃገር ሰብኣዊ፣ ቁሳዊና ስነ-ልቦናዊን ቅልውላውን ጥራሕ ኢዮም ኣትሪፎም፡፡

እቲ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ሰላማዊ ዘተ፣ ባህሊ ድርድርን ምድምማፅን ንምህናፅን ጠበንጃ ፖለቲካ ንምቕሃም ኣዚዩ ኣድላዪ ኢዩ፡፡

Comments (0)
Add Comment