ብምጥፋእ ዘይኮነስ ብምድማፅ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ምጥፋእ ናብ ምድማፅ ንምስግጋር ዝዓለመ ጉዕዞ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ከም ቀንዲን ታሪኻዊን መሰረት ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

ንነዊሕ ዘመናት ዝቐፀለ ፖለቲካ ምግላልን ሓይሊ ከም መፍትሒ ምጥቃምን ነታ ሃገር ናብ ከቢድ ቅልውላው ኣእትይዋ እዩ።

እቲ ሕዚ ዝተጀመረ ሃገራዊ ዘተ ግና፣ ነዞም መዋቕራዊ ፀገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብዘተ ንምፍታሕ ዝዓለመ መድረኽ ምድማፅ እዩ።

ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሸናፊን ተሸናፊን ዝተመርኮሰ “ኣነ እንተዘየለኹ ሃገር ትጠፍእ” ዝብል ፅንፈኛ ኣረኣእያ ዝሰፈነሉ ነይሩ።

እዚ ኣተሓሳስባ ንማሕበራዊ ምትእስሳር ኣዳኺሙዎ እዩ። ሃገራዊ ምኽክር ድማ እዚ ኣጥፋኢ ዑደት ብምብታኽ፣ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምፍጣርን ፖለቲካዊ ሽግግር ንምቅልጣፍን መፍትሒ ይህብ ኣሎ።

ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያትን ትርኽታትን ናይ ሓባር መፍትሒ ብምድላይ ፍልልያት ሓሳብ ብጠበንጃ ዘይኮነስ ብብልሓት ሓሳብን ብሰላማዊ ክርክርን ንኽፍትሑ ኩነታት የመቻችእ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ከተማ ምመሕዳራት ናይ ህዝቢ ሓሳብ ምእካብን ኣጀንዳ ምቕራፅን ስራሕቲ እናካየደ መፂኡ እዩ።

ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዝፍለጡ ውልቀሰባትን ካብ ተሳትፎ ዝተገለሉ ክፍልታት ማሕበረሰብን ኣብቲ ከይዲ ንኽሳተፉ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ።

ኣብ ሕድ ሕድ መድረኽ ድማ ማሕበረሰብ ንዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ወሰንቲ እዮም ዝበሎም ሃገራዊ ኣጀንዳታት ብነፃነት ከቕርብ ተገይሩ እዩ።

ኣተሓሳስባ መደመር ዕድል መፃኢ ኢትዮጵያ ብምጥፋእ ዘይኮነስ ብምድማፅን ብምድመርን ከም ዝውሰን ይኣምን።

ንነዊሕ ዘመናት ዝቐፀሉ መሓውራዊ ፖለቲካዊ ፍልልያት፣ ናይ ታሪኽ ትርኽቲ ጎንፂታትን ሕቶታት መንነትን ብሓይሊን ብኣሸናፊን ተሸናፊ ኣረኣእያን ከምዘይፍትሑ ስለዝኾነ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮይንና ፀገማትና ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ምድላው ብሓባር ንደግፎ።

ሃገራዊ ዘተ ፖለቲካዊ ምህዳር ኢትዮጵያ ካብ ጎንፂ ናብ ዘተ ንምቕያር ዝዓለመ ናይ ሓባር መድረኽ ስለዝኾነ ኩላትና ብዝከኣለና መጠን እጃምና ንዋፃእ።

 

Comments (0)
Add Comment