ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተመረቕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዝቐሰሙዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምልዋጥ ንኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ ክተግሁ ኣለዎም ኢለን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ፡፡
ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 973 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ከምኡ እውን ኣካቢት ቦርድ ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ኣለምፀሃይ ጳውሎስ፤ ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቕኩም ተምሃሮ ናይ ሃገርና ክባር ሃፍቲ ኢኹም ኢለን።
ተመረቕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዝቐሰሙዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምልዋጥ ንኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅን ኣብ ምምዕባልን ከምኡ እውን ንዕቤታ ኣካል መፍትሒ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ጋና ዘይተነኽኡ ዓቕሚታት ልምዓት ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ሓድነትና ብምጥንኻር ኣብ ልምዓት ክንረባረብ ኣለና ብላ ገሊፀን።
ብወርቃፈራሁ ያለው