ተምሳሌት በረከት ስርናይ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘበናት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ስማ ምስ ጥሜትን ድርቂን እናተተሓሓዘት ዝነበረት ኢትዮጵያ እዚ ታሪኻዊ በሰላኣ ብምቕራፍ ሽማ ዝቐየረ ልዑል ዓወት ክትጎናፀፍ ጀሚራ ኣላ፡፡

ሓደ እዋን ርዳእታ ትፅበ ዝነበረት ሃገር ሎሚ ካብ መሬታን ብፃዕሪ ደቃን ስማ ብሓዱሽ ብርዒ ታሪኽ እናፀሓፈት ትርከብ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ስርናይ ዘደንቑ ዓወታት እናተመዝገቡ እንትኾኑ፥ እዚ ድማ ብኣጋጣሚ ዝመፅአ ዘይኮነስ ውፅኢት ቆራፅነት መንግስቲን ጥንኩር ስራሕ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶትን ኢዩ፡፡

ኣብ ፍርያት ስርናይ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተርኣየ ዕቤት እታ ሃገር ብምግቢ ርእሳ ንምኽአል ዝሓዘቶ ሸቶ ካብ ቃላት ሓሊፉ ብተግባር ክትርኢ ዘኽአለ ኢዩ፡፡

ኣብ ዝናብ ፅገዕተኛ ኮይና ካብ ምሕላው ብልምዓት መስኖ ዝተጀመረ ጉዕዞ ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንኽቕየር ገይሩ ኢዩ።

ብመስኖ ዝለምዕ መሬት ብልዑል ብርኪ ምዕባዩ ኢትዮጵያ ፀጋታት ተፈጥሮኣ ብግቡእ ብምጥቃም ንልምዓት ምውዓል ምጅማራ ልዑል መርአያ ኮይኑ ኢዩ።

ካብ 2012 ዓ.ም ንደሓር ማእኸላይ ልምዓት ስርናይ 39 ሚኢታዊ ዓመታዊ ዕቤት እናመዝገበ እንትኸውን፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ዝተመዝገበ 280 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ስርናይ እታ ሃገር ብፍርያት ስርናይ ዝበፅሐቶ ደረጃ ዘርኢ ኢዩ።

ካብ ሞንጎ እዚ 128 ሚሊየን ኩንታል ዝኸውን ብልምዓት መስኖ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ዝነበረ ታሪኽ ዝልውጥን ኢትዮጵያ ብዝኾነ እዋንን ኩነታትን ክተፍሪ ከምትኽእል ንዓለም ዘርአየትሉ ዓወት ኢዩ።

ብልምዓት መስኖ ኣብ 2022 ዓ.ም ንምዕዋት ተሓሲቡ ዝነበረ 128 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ካብ 5 ዓመታት ቀዲሙ ብምዕዋቱ እቲ ትልሚ ዳግም ንኽኽለስ ተገይሩ።

ካብ ሄክታር ዝርከብ መጠን ፍያት በቢዓመቱ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ብምርኣይ 37 ኩንታል ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈረ ሓይሊ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ምስ ረሃፁ ብምውዳድ እናሰርሐ ምዃኑ የርኢ።

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment