ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር እትህነፅ ብተሳትፎን ድምፂን ኩሎም ዜጋታት፡፡
ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሩ ሻለቃ ሳሙኤል ገሰሰ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ስልጣን እናተወራረሰ ዝነበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ሕዚ ንዘሎ ዘበን ዝምጥን ግን መረፃ ጥራሕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ሕዚ ዘሎ ትውልዲ ዝሰልጠነን ዴሞክራሲያዊ መሰሉን ከኽብር ዝኽእል ስለዝኾነ መረፃ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ዜጋታት መሰሎም ብምጥቃም ይኾነኒ፤ ይጠቕመኒ ዝብሉዎ ፓርቲ ብምምራፅ ዜግነታዊ ግቡኦም ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
ተተካኢት ሓርበኛ ሰብለ ንጋቱ ብግደአን÷ ህዝቢ ብዝደለዮን ብዝመረፆን መንግስቲ ምምሕዳር ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ዝህልዎ ግደ ዘዕቢ ኢዩ ኢለን፡፡
ህዝቢ ሕቶኡ ንኽምለሰሉን ንኢትዮጵያ ከዕቢ ዝኽእልን ኣካል ብዝተውሃቦ መሰል ብምጥዋም ክመርፅ ይግባእ እውን ኢለን።
ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ የምስራች ንጉሴ፣ ሚኪያስ ፋሲልን ድሪባ ጌታቸውን ካርድ መረፃኦም ብምጥቃም ይኾነኒ ዝበሉዎ ፓርቲ ንምምራፅ ብሃንቀውታ እናተፀበዩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ብኣቤል ነዋይ