ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ታክስ ዝሰወሩ ተጠርጠርቲ ብገበን ተሓተትቲ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዝተሰወረ ታክስ ክምለስ ምግባር ተኻኢሉ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ሙሉቀን ኣማረ።
እቶም ዋና ዳይሬክተር ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ፥ ካብ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ብኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣቢሉ ታክስ ስወራ ናይ ምቁፅፃር ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ።
ጥርጣረ ስወራ ታክስ እንተጋጥም ታክስ ንዝእክቡ ትካላት ብምፍላጥ ምርመራ ከምዝካየድ ብምሕባር፤ በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዝተሰወረ ታክስ ክምለስ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ምስ ስወራ ታክስ ተተሓሒዙ ክትትላትን ምርመራን ሒሳባት ባንኪታት ዝተጠርጠሩ ትካላትን ተገይሮም ኢሎም።
ብስወራ ታክስ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት እናተጠቐሙሎም ዝነበሩ ልዕሊ 6 ሺሕ ሒሳብ ባንኪታት ምርመራ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።
በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ምስ ስወራ ታክስ ተተሓሒዙ ንትካላት ፌዴራልን ክልልን 129 ናይ ድሕንነት ሪፖርት ከምዝተለኣኸ ገሊፆም።
969 ተጠርጠርቲ ብቐጥታ ዝተሰወረ ታክስ ክኸፍሉ ምግባር ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሆም።
ብታሪክ ኣዱኛ