ትካላት ቴክኒክን ሞያን ተተካእቲ ፍርያት ብምፍራይ መፍትሒ ይኾና ኣለዋ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ትካላት ቴክኒክን ሞያን ካብ ወፃኢ ዝኣትው ፍርያታት ብምፍራይ መፍትሒ ይኾና ኣለዋ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

መበል 16 ከተማ ለኸ ቅነ ቴክኒክን ሞያን “ቴክኖሎጂ ልህቀት ሃገር ንሃገራዊ ብልፅግና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ፓርክ ኣራዳ ተኸፊቱ።

እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፥ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ንፀገማት መፍትሒ ፈጠራ ስራሕ ብምውፃእ ንሃገር እጃሙ የበርክት ኣሎ።

ዝሰርሑ ኣእዳውን ዝፈጥሩ ኣእምሮታትን ንህንፀት ሃገር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን መተካእታ ፍርያት ብምፍራይ ሃገር ዝያዳ ኣብ ዘድልየሉ እዋን መፍትሒ ይኾና ኣለዋ ኢለን፡፡

ብተወሳኺ ዕውትነተን እናወሰኸ ምምፅኡ ብምሕባር፤ ንፍርያት ወፃኢ ዕዳጋን ውፅኢታት ፈጠራን እናሰፍሑ ምምፅኡን ሓቢረን፡፡

ብኣሸብር ካሳሁን

Comments (0)
Add Comment