ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ቻይና ካብ ኣሜሪካ ነዳዲ ክትገዝእን መሻርኽቲ ንግዲ ክትከውንን ተስማዕሚዓ ኢሎም።
እቶም ፕሬዚዳንት ነዚ ዝበሉ ታሪኻዊ ዑደት ኣብ ቤጂንግን ምስ ቻይናዊ መዘንኦም ሺ ጂንፒንግ ዕዉት ርክብ ክብሉ ዝገለፅዎ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም እዩ ኢሎም።
ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ዘካየዶ ዘተ ዕዉት፣ ታሪኻዊን ብዓለም ልዑል ኣፍልጦ ዝረኸበን እዩ ኢሎም።
ርክብ ንግዲ ቻይናን አሜሪካን፤ መሸጣ ነዳዲ ከምኡ እውን ጉዳይ ታይዋንን ኢራንን ካብቶም ኣብ ኽልተ መዓልታት ዝተለዓሉ ኣጀንዳታት ከምዝነበሩ ሓቢሮም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ