ነበር ህወሓት ዘካይዶ ኣገዳዲ ወታደራዊ ምልመላ ንስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝጥሕስ ኢዩ – ሕብረት ኣውሮፓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ህወሓት እናካየዶ ዝርከብ ምንቅስቓስ ኣገዳዲ ወታደራዊ ምልመላ ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝጥሕስ ኢዩ ኢሉ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ፡፡

ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ እቲ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ንግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብሓይሊ ብምውጋድ ኣገዳዲ ወታደራዊ ምልመላ እናካየደ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ፡፡

እዞም ምንቅስቓሳት ንስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝጥሕሱ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ፡፡

ኣሜሪካ ነበር ህወሓት ተመሳሳሊ ናይ ጥፍኣት ተግባራት እናፈፀመ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለን ስድረኦምን እገዳ ቪዛ ምንባራ ይዝከር፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment