ናይጄርያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ተመኩሮ ሕርሻ ኢትዮጵያ ክትግብር እየ ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ናይጄርያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ውፅኢታዊ ተሞኩሮ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምትግባር ትልሚ ኣለዋ ኢሎም ምክትል ፕሬዚደንት እታ ሃገር ካሺም ሸቲማ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናካየደ ዝርከብ ብምክትል ፕሬዚደንት ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ተዓዚቡ።

ኣብቲ ክልል ዝተዓዘቡዎ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ንዕቤት ዘፈር ሕርሻ ኣፍሪካ መርኣያ ኮይኖም ክቐርቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ብምግላፅ፤ እዚ ስትራተጂካዊ ኣተገባብራ ካብ ኣህጉር ኣፍሪካ ወፃእ እውን ኣብነት ዝኸውን እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ስርናይ ርእሳ ኣብ ምኽኣል ልዑል ኢኮኖሚያዊ ዓወት ከምዘመዝገበት ብምሕባር፤ ካብ ውሽጣዊ ድሌታ ብተወሳኺ ከም ኬንያን ጅቡትን ንዝኣምሰላ ጎረባብታ ስርናይ ምልኣኽ ከም ዝጀመረት ኣብሪሆም።

ካብ ፍርያት ስርናይ ብተወሳኺ ኣብ ምህርቲ ሩዝ እውን ዓብዪ ዕቤት ብምምዝጋብ ኢትዮጵያ ባዕላ ከምዝኸኣለት ኣብ እዋን ዑደቶም ክርድኡ ከምዝኸኣሉ ምክትል ፕሬዚደንት ናይጄርያ ካሺም ሸቲማ ኣብሪሆም።

ሃገሮም ፍርያት ሕርሻ ንምዕባይ ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበረ ዝርከብ ብሜካናይዜሽን ዝተሓገዘ ሰፊሕን ዘበናዊን ስርዓት ሕርሻ ኣብ ሃገሮም ንምትግባር ትልሚ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።

በዚ ድማ ተሞኩሮታት ኣጠቓቕማ ዝተመሓየሹ ዓሌታትን ብሜካናይዜሽን ዝተሓገዘ ሜላታት ምሕራስን ብምውሳድ፤ ንለውጢ ክሊማ ዝፃወር ሕርሻ ንምትግባር ሓሲብና ኣለና ኢሎም።

ብምግቢ ርእሰን ዝኸኣላ ሃገራት ሉኣላዊነተን ኣሕሊፈን ክህባ ከምዝኽእላ ብምግላፅ፤ ውሕስና ምግቢ ሉኣላውነት ሃገር ንምርግጋፅ መሰረታዊ ጉዳይ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

#መንግስቲመደመር

ብሃይለማርያም ተገኝ

Comments (0)
Add Comment