ናይ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ራእይናን ፃዕርናን ፍረ ክህብ ጀሚሩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ዝገበርናዮ ሃገራዊ ራኢን ፃዕርን ፍረ ክህብ ጀሚሩ ኢሎም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ፤ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ን6 ኣዋርሕ ስልጠና ዝወሰዱ ፈለምቲ ተሳተፍቲ ሰልጠንቲ ስታርትኣፕ ኤኣይ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምረቓ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዓውዲ ዝሃቦ ፍሉይ ትኹረትን ንኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝቐመጦ ግልፂ ኣንፈትን እዚ ማእከል ጋህዲ ንኽኸውን ልዑል ኣበርክቶ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ዝሃቡዎ ኣመራርሓ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንማእኸል ስታርትኣፕ ኤኣይ ቴክኒካዊ ስልጠና፣ ክእለት ምምዕባል ፍርያትን ስትራቴጂ ዕዳጋን ብስፍሓትን ብዓይነትን ብዝተወደበ መልክዑ ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

እቲ ማእከል ንስታርትኣፓት ካብ ዘቕረቦ ስልጠና ሓሊፉ ምቹው ናይ ስራሕ ቦታ፣ ደረጃኡ ዝሓለወ ዎርክሾፕ ኤኣይ፣ ክላውድ ዳታ ሴንተርን ልዑል ኮምፒዩቲሽና ሪሶርስ ክጥቀሙ ኣኽኢልዎም እዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሜንተርሺፕ ብመሃብ ኣብ ዓለም ለኻዊን ሃገራዊን ኮንፈረንሳት ክሳተፉ ብምግባርን ኣብቲ ኢንስቲትዩት ልዑላት ተመራመርቲ ኤኣይ ናይ ቀረባ ድጋፍን ክትትልን ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እዚ ደገፍ ንመንእሰያት ተውህቦኦም ናብ ዓብዪ ዕድል ዝቕይርሉ ምቹው ባይታ ፈጢሩሎም እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ንስኻትኩም ኣምባሳደራት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ኢኹም፤ ንዝለዓለ ጉዕዞ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ብትግሃት ክትሰርሑ ይግባእ” ኢሎም።

ብለይኩን ኣለም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment