10 ኣባላት ዘለዎም 400 ኣናኣሽተይ ጉጅለታት ከምኡ እውን 50 ኣባላት ዘለዎም 80 ጉጅለታትን ዘልዐልዎም ናይ ኣጀንዳ ሓሳባት፤ 25 ኣባላት ብዘለዎም 16 ናይ ቃለ ጉባኤ ኣጠናኸርቲ ጉጅለታት ተጠናኺሮም ን250 ኣባላት ዘለዎም 16 ስልታዊ ጉጅለታት ከም ዝቐረቡ ይፍለጥ።
እቶም 250 ኣባላት ዘለዎም ስልታዊ ጉጅለታት፣ ነቲ ዝተጠናኸረ ቃለ ጉባኤ ድሕሪ ምስማዕ፣ ዘይተኻተቱ ወይ ብደምቢ ዘይበርሁ ኢሎም ዝረኣይዎም ጉዳያት ኣልዒሎም ቃለ ጉባኤ ክመሓየሽ ሓሳባት ኣቕሪቦም።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ድማ እኩብ ሰብ ሞያውያ (Panel of Experts) ብ500 ኣባላት ዝተወደቡ 8 ናይ ኣጀንዳ ጉጅለታት፣ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ከይዲ ዘተ ዝተልዓሉ ፅንሰ ሓሳባት፣ ብግልፂ ዘይተቐመጡ ጉዳያትን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ጫፍ ዝሓዙ ኣረኣእያታትን ኣመልኪቶም መብርሂ ብምሃብ ነቶም ቃለ ጉባኤታት ዝሕግዙ ሓሳባት ኣቕሪቦም።
25 ኣባላት ዘለዎም ኣጠናኸርቲ ጉጅለታት ድማ ናይ ስልታዊ ጉጅለታት ሓሳባት ኣጀንዳ ናብ ቃለ ጉባኤ ዝቕይሩ ካብ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፤ እቲ ዝቐረበ ሳይንሳዊ መብርሂታትን መግለፂታትን ስዒቦም ዘጠናኸርዎ ሓሳብ እንደገና እናማዕበሉ ውዒሎም።
እዚ ዝተመሓየሸ ቃለ ጉባኤ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝካየድ ከይዲ ዘተ ን250 ኣባላት ዘለዊዎም 16 ስልታዊ ጉጅለታት ክቐርብ እዩ።