ንቱሪዝም ዝተውሃቦ ትኹረት መበገሲ ኢትዮጵያ ናይ ምምዕባል ራእይና እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተውሃበ ትኹረት ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንመፃኢ ወለዶ ንምርካብ ራእይና እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቱሪዝም “ሓድሽ ሞተር ኢኮኖሚ” ብዝብል ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዓብዪ ዓቕሚ ተጠቒማ ናብራ ዜጋታታ ክትቅይርን ምስሊ ሃገር ክትሃንፅን ይግባእ።
ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሕርሻ ጥራሕ ዝተመስረተ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ትሓስብ ከምዝነበረት ዝገለፁ እንትኾን፤ እዚ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ብልፅግቲ ሃገር ጋህዲ ምግባር ኣይተኸኣለን ኢሎም።
በዙይ እውን ኣብ ብዙሕ ዓውዲ ኢኮኖሚ ክትምራሕ ከምዘለዋ ብምሕሳብ ካብ ሓሙሽተ ቀንዲ ዓውድታት እቲ ሓደ ቱሪዝም ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብ ዓለምና በቢ ዓመቱ ብቱሪዝም 12 ነጥቢ 6 ትሪልዮን ዶላር ከምዝእከብ ዘመልከቱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነዚ ብምግንዛብ ቱሪዝም ኣብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ኢኮኖሚ ከምዝተኻተተ ገሊፆም።
ካብዚ ሃብቲ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣፍሪካን ክንደይ ዝኸውን ክጥቀማ ይኽእላ ዝብል ቁልፊ ሕቶ ከምዝኾነ ብምሕባር፣ ካብቲ ዓውዲ ልዑል እቶት ብምርካብ ኢኮኖሚ ንምድጋፍ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም።
ቱሪዝም ንሓደ ዕላማ ጥራሕ ዘይኮነስ በፃሕቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፍርያት ክገዝኡ ምሕጋዝ፣ ፍልጠት ምትሕልላፍ፣ ኢንቨስትመንት ምስሓብ ሓዊሱ ብዙሕ ረብሓታት ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ኣብ መላእ ዓለም በብዓመቱ 370 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣብቲ ዓውዲ ትኹረት ዝግበረሉ ካልእ ምኽንያት ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ዘለዎ ተራ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ቱሪዝም ኣብ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢን ዓውዲ ኢንዱስትሪን ኣበርክቶ ከምዘለዎ፣ ንኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ ተረባሒ ዝገብር ምዃኑ ገሊፆም።
ብኣቤል ነዋይ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment