ንዋና ሃገራዊ ዘተ ኣጀንዳ ናይ ምፍላይ ስራሕ እናተዛዘመ ይርከብ – ኮሚሽነር መላኩ ወልደማርያም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዋና ሃገራዊ ዘተር ኣጀንዳ ናይ ምፍላይ ስራሕ እናተዛዘመ ይርከብ ኢሎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መላኩ ወልደማርያም።

ኮሚሽነር መላኩ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ንዋና ጉባኤ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣጀንዳ ከምዘተኣኻኸበን ተወከልቲ ከምዘምረፀን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጀንዳ ናይ ምፍላይ ስራሕ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብን ዝተፈለዩ ኣጀንዳታት ንመዳርግቲ ኣካላት ብምቕራብ ሓሳብ ምእካብ፣ ኣጀንዳ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ምሕንፃፅን ኣመኸኸርቲ ብስልጠና ድሉዋት ምግባርን ቀፀልቲ ስራሕቲ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ሃገራዊ ዘተ ጉባኤ ምፅዋዕ፣ ምዝታይ፣ ምርድዳእ ዝተገበረሎም ጉዳያት ምውዳብን ንዝምልከቶም ኣካላት ምቕራብ፣ ተግባራዊነቶም ምክትታልን ንህዝቢ ዕላዊ ምግባርን ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም፡፡

ካብ ዝተኣከበ ኣጀንዳን ብመንፅር ስብጥር ተሳተፍቲ ዘዕግብ ዝበሃል ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ብመሳፍንት እያዩ

Comments (0)
Add Comment