ኢራን ናብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምእታው ዝፈተና መራኽ ጦር ኣሜሪካ ብሚሳኤል ከምዝወቕዐት ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራን ዘመሓላለፈቶ መጠንቀቕታ ብምጥሓስ ናብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምእታው ዝፈተና መራኽብ ጦር ኣሜሪካ ብሚሳኤል ከምዝወቕዐት ተሓቢሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብቲ ወሽመጥ መሕለፊ ስኢነን ጠጠው ዝበላ መራኽብ ዓጂቡ ንምውፃእ ወፍሪ ከምዝጅምር ገሊፆም ነይሮም፡፡

ነዚ ወፍሪ 15 ሺሕ ወታደራት፣ ካብ ምድሪን ባሕሪን ዝብገሳ ልዕሊ 100 ጦር ኣውሮፕላናት ከምኡ እውን ጦር መራኽብን ድሮናትን ድሉዋት ከምዝኾና ጦር ኣሜሪካ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዮታዊ ዘብዒ ኢራን ብግድኡ፤ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ናብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምእታ እንተፈቲኑ መጥቃዕቲ ከምዝፍፅም ኣጠንቂቑ፡፡

እዚ ናይ ቴህራን መጠንቀቕታ ሸለል ብምባል በቲ ወሽመጥ ንምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ዝፈተና ጦር መራኽብ ክልተ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከመዝፈፀመ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኢራን ብምፅራሕ ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ እተን ጦር መራኽብ ናብቲ ወሽመጥ እናገበረኦ ዝነበራ ጉዕዞ ከምዝተኾለፈ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ጦር ኣሜሪካ ብግድኡ ኣብ ልዕሊ ጦር መራኽብና ዝተተፈፀመ መጥቃዕቲ የለን ብምባል ውድቂ ገይሩ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

Comments (0)
Add Comment