ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ክልተኣዊ ዝምድናአን ዝያዳ ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣካይደን።
ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ዝምራሕን ኣማኻሪ ጉዳያት ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ግርማ ብሩ፣ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ብሄራዊ ደሕነትን ሓበሬታን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ዝሓቖፈ ልኡኽ ምስ ኣሜሪካውያን መዘንኦም ተመያይጦም፡፡
ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘካየድኦ ክልተኣዊ መዋቕራዊ ምኽክር ኣብ ሰለስተ ኣርእስታት ዘተኮረ ኮይኑ፤ ኢኮኖሚያዎ ብልፅግና፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ ምክልኻልን ፀጥታን፣ ከምኡ እውን ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ብዝምልከት እዩ።
እቲ ክልቲኣዊ መዋቕራዊ ዘተ ርክብ እተን ሃገራት ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ከምዝቕፅልን ከምዘጠናኽርን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የረድእ።