ኣዲስ ኣበባ፣ ሚያዝያ 6፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፖርቹጋል ፓውሎ ራንገል ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛትዮም።
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፤ ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን ፖርቹጋልን ነዊሕን ታሪኻውን ዝምድና ዘለወን ምዃኑ ሓቢሮም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ቱሪዝምን ሓለዋ ከባብን ዘለወን ርክብ ዝያዳ ምጥንኻር ከምዝግባእ ገሊፆም።
ፓውሎ ራንገል ብወገኖም፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀጥታዊ ትራንስፖርት ኣየር ምጅማሩ ኢኮኖሚያዊ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ፅቡቕ ዕድል ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ምምኽኻርን ኣብ ብዙሕነታዊ መድረኻት ብሓባር ንምስራሕን ምስምዕምዐን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣረዲኡ፡፡