ኢትዮጵያዊነት መርአያ ሓባራዊ ታሪኽን ሓበራዊ ህልውናናን እዩ – ኣሕመድ ዘካርያ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያዊነት ብብዙሓት ታሪኻዊ፣ ባህላዊን ተፈጥሮኣዊን ፀጋታት ዝተሃነፀ እዩ ኢሎም ተመራማሪ ታሪኽን ባህሊን ኣሕመድ ዘካርያ (ፕ/ር)።

ኣሕመድ ዘካርያ (ፕ/ር) ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ መበቆል ወዲ ከም ምዃና ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ መበገሲ ዝኾነት ፍልይቲ ምድሪ እያ።

ኢትዮጵያ ብብዙሕነት ሃይማኖታ ዝተፈላለዩ እምነታት ካብ ጥንታዊ ዘበን ጀሚሩ ብሰላም ሓቢሮም ዝነበሩላ ሃገር እያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ኣፍሪካ ገንኢ ማይ ካብ ምዃና ብተወሳኺ፤ ካብ ቁሪ ክሳብ ሓሩር ዝዝርጋሕ ኩሉ ዓይነት ዓለም ለኸ ኩነታት ኣየርን ፀጋታት ብዝሃ ህይወትን ብዕምቆት ኣጣሚራ ዝሓዘት ምዃና ገሊፆም።

ኣብ ዕቤት ፍልጠትን ስልጣነን ወዲ ሰብ ዓብዪ ፅልዋ ዘሕደረ ናይ ባዕላ ፊደልን ስርዓተ ፅሕፈትን ካብ ዘለወን ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ምዃና ባዕሉ ፍልይቲ ዝገብራ ኢዩ ኢሎም።

ኣንፈት ግንዛበን ምርምርን ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዝሒ ትኹረት ካብ ዝተውሃቦ ታሪኽ ፖለቲካን ኲናትን ብምውፃእ ናብ ታሪኽ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ህይወትን ከድህብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ታሪኽና ዕዳጋን ንግድን ናይ ንዋት ወይ ኣቕሑ ምልውዋጥ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ሓሳብ፣ ባህሊ፣ ፍቕርን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ቀንዲ መተሓላለፊ መድረኽ ኮይኑ ከም ዘገልገለ ገሊፆም።

ኣብ ታሪኽና ዕዳጋን ንግዲን ናይ ጉዳይ ምልውዋጥ ንዋት ወይ ኣቕሑ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሓሳብ፣ ባህሊ፣ ፍቕሪን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ቀንዲ መተሓላለፊ መድረኽ ኮይኑ ከምዘገልገለ ገሊፆም።

ኣብ እዋን ከቢድ ኲናት እውን እንተይተረፈ ዕዳጋ ዘይቋረፅን ማሕበረሰብ ዘራኽብ ማእኸል ኮይኑ ከም ዝነበረ ብምፅራሕ፤ ስርዓት ዕዳጋን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘሎ ምትእስሳርን ብመፅናዕቲ ጎሊሑ ክወፅእ ምግባር ከም ዝግባእ ኣብሪሆም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ዝርከቡ፣ ንህዝቢ ንዘመናት ኣራኺቦም ዝፀንሑ ሃገር በቀል ስርዓታት ሽምግልና ክዓብዩ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።

ናይ ወፃኢ ፀላኢን ወራሪ ሓይሊን ኣብ ዝመፅአሉ እዋን ተሓባቢርካ ብሓድነት ምስላፍን ንፀላኢ ኢድ ዘይምሃብን ቀንዲ ታሪኻዊ ምልክት ኢትዮጵያዊያን ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ዝፍጠሩ ፀገማትን ናይ ሓሳብ ፍልልያት ብዘተ ምፍታሕ ዝከኣል ኢዩ ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment