ኢትዮጵያ፣ ካብ ተሓጋዛይነት ናብ ሉኣላዊነት…

ኢትዮጵያ ካብ ተሓጋዛይነት ብምውፃእ ናብ ወፃኢ ፍርያት ለኣኽነት ናይ ምስግጋር ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኻዊ ጉዕዞን ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ይርከብ፡፡

ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ምስ ሕፅረት ውሕስና ምግቢን ፅግዕተኝነት ርዳእታን ስማ ተተሓሒዙ ፀኒሑ ኢዩ።

ይኹን እምበር ብኣምር ምድማር ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር እታ ሃገር እዚ ናይ ተሓጋዛይነት ታሪኽ ብምልዋጥ ናብ መፍረያይነትን ለኣኻይነትን ንምስግጋር እናገበረቶ ትርከብ ስትራቴጂካዊ ሓዱሽ ምዕራፍ ጉዕዞ እናኸፈተ ይርከብ።

እዚ ስግግር ናይ ፖሊሲ ለውጢ ጥራሕ ዘይኮነስ ክብሪ ሃገርን ናፅነት ኢኮኖሚን ናይ ምኽባር ብሄራዊ ጎስጓስ ኢዩ።

እዚ ታሪኻዊ ስግግር ዝተሓንፀፀ ኣብ ትሕቲ ማዕቐፍ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢዩ። መንግስቲ ናይ ወፃኢ ርዳእታን ልቓሕን ኣብ ክንዲ ምፅባይ ዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምጥንኻር ትኹረት ገይሩ ኢዩ። ብፍይ ድማ ሕርሻ ምዝማን፣ ልምዓት መስኖ ምስፍሕፋሕን ሓረስቶት ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ናይቲ ስግግር ዋና መበገሲታት ኮይኖም ኢዮም።

ኢትዮጵያ ካብ ተሓጋዛይነት ናብ ምልኣኽ ምስግጋራ ዝዓበየ መረጋገፂ ኣብ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ዝተመዝገበ ዓወት ኢዩ።

ቅድም ክብል ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ብዝናብ ክረምቲ ጥራሕ ይፈሪ ዝነበረ ስርናይ፣ ካብፅግዕተኛነት ዝናብ ክናገፍ ብምግባር ኣብ እዋን ሓጋይ ብመስኖ ምፍራይ ተጀሚሩ ኣሎ።

እታ ሃገር ንዕድጊት ስርናይ ትስእኖ ዝነበረት ብሚሊየን ዝቑፀር ሸርፊ ወፃኢ ከድሕን ክኢሉ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ኣማሊኣ ዝተረፈ ፍርያት ንጎረባብቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ዕዳጋ ክትልእኽ ጀሚራ ኣላ።

ካሊእ ናይቲ ስግግር ዓንዲ ዝኾነ ብሄራዊ ጎስጓስ ትሩፋት ሌማት ኢዩ። እዚ መርሃ ግብሪ ትኹረቱን ኣብ ምርባሕ ደርሆ፣ ፍርያት ፀባ፣ ብርባሕ ንህቢን ልምዓት ስጋን ትኹረት ዝገበረ ኢዩ።

ሕድሕድ ነባሪ ገፀርን ከተማን ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ስርዓት ኣመጋግባ ንኸመሓይሽን ዝተረፈ ፍርያት ድማ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ኣታዊ ንኽረክብ ገይሩ ኢዩ፡፡

ካብ ዓውዲ ሕርሻ ብዘዘለለ፣ መመሓየሺታት ፖሊሲ ኢንዱስትሪን ንግዲን ብምግባር ኢትዮጵያ ዓውዲ ንግዲ ወፃኢኣ ንምድንፋዕ ዓይነታት ፍርያታ ንምብዛሕን ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐት ትርከብ፡፡

ብሃፈሻ ኢትዮጵያ ካብ ተኻጋዛይነት ናብ ለኣኻይነት ናይ ምስግጋር ጉዕዞ ውሕስና ምግቢ ጉዳይ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ናፅነት ምሃብ ውሳነ ፖለቲካ ውሽጢ ሃገርን ኢኮኖሚን ዘረጋግፅ ልዑል ስጉምቲ እውን ኢዩ።

እዚ ስራሕ ተጠናኺሩ እንትቕፅል፣ ኢትዮጵያ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ናይ ምግቢ ቆፎ ምዃን ራኢኣ ኣብ ቀረባ ዓመታት ጋህዲ ከምትገብር ጥርጥር የብሉን።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment