ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ሱዳን ዝተፈነወላ መሰረተ ዘይብሉ ክሲ ውድቂ ገይራ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፤ ሓይሊ ምክልኻል ሱዳንን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገርን ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘቕረቡዎ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ ኢሉ።
ህዝቢታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዎም ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ሓደ ሓደ ዕጡቓት ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ዝገብሩዎ ትንኮያ ንህዝቢ ዕላዊ ካብ ምግባር ከምዝተቖጠበ ኣልዒሉ፡፡
ጦር ሱዳን ቁፃር ወታደራት ህወሓት ኣብቲ ኲናት ሕድሕድ ምስታፉን ነዞም ቁፃር ወታደራት ሓገዝ ኣፅዋርን ገንዘብን ብምግባር ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ትንኮያ ንኽፍፅሙ ከምዝገበረ ፀሪሑ፡፡
ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ቁፃር ወታደራት ህወሓት ብግልፂ እናተንቀሳቐሱ ምፅነሖም ሱዳን ንዝተፈላለዩ ፀረ ኢትዮጵያ ሓይሊታት መናሃሪያ ኮይና እናገልገለት ከምትርከብ ዘርኢ እሙን ሓበሬታ ኢዩ ኢሉ፡፡
መሰል ተግባራትን ቅድም ክብል ብጦር ሱዳንን ሰብ መዚን ዝፍነዉ ውንጀላታት እኩይ ኣጀንዳታት ንምስጓም ዝደልዩ ዕላማ ሓይሊታት ወፃኢ ንምዕዋት ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ምስ ህዝቢ ሱዳን ዘለዋ ምሕዝነትን ምትእስሳርን ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ዝበለ መግለፂ እቲ ሚኒስቴር÷ ኢትዮጵያ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብዘተ ክፍታሕ ኢዩ ኢላ ከምትኣምን ኣገንዚቡ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ናይ ሲቪል መንግስቲ ንኽምስረት፣ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ስምምዕነት ዘላቒ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ከምኡ እውን ናፃ፣ ንኩሉ ዝሓቁፍን ግልፂን ሲቪል ዝመርሖ ዘተን ምግባር ኣድላዪ ዚዩ ዚላ ከምተኣምን ኣብሪሁ፡፡