ኢትዮጵያ ትትግብር…

ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ሕልኽላኽ በድሆታት ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ብሃገር ቦቆል ፍልጠት ብምፍታሕ፣ ናብ ዝለዓለ ብራከ ምዕባለ ምሽጋር ከምአትኽእል በቢእዋኑ ንዓለም ተርእይ ኣላ።

ኢትዮጵያ ምትግባር ከምእትኽእል ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝጀመረቶ መሓዊራዊን ኩለመዳይን መመሓየሺ ኢኮኖሚ ናብ ጭቡጥን ዘላቒን ዓወት ብምሽግጋር ኣመስኪራ ኢያ።

ትውግን ኢያ ንዝብል መሪሕ ሓሳብ እውን ተራ ፖለቲካዊ ጭርሖ ዘይኮነስ ብጭቡጥ መሬት ኣብ ዝነኽኡ ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት፣ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ማክሮ ኢኮኖሚን ለውጢታት ዝተረጋገፀ ሃገራዊ ሓቂ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊን ዞባዊን ብድሆታት ብምዃን ብዝተፀንዐን ዝተዋደደን ኣመራርሓ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ብዕዉት መገዲ ምውጋን ትኽእል ኢያ፤ እዚ ድማ መልላእ ዓለም መስኪሩ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ምዕባለታት ናይዛ ሃገር ቀፃሊ ዕድል ናይ ምውሳን ዓቕሚ ኣለዎም። ብፍላይ ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚን ምንቕቓሕ ካፒታል ዕዳጋን፣ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸለን፣ ህንፀት ዓበይቲ መሰረተ ልምዓታት፣ ልምዓት ኮሪደርን ሓምለዋይ ኢኮኖሚን፣ ማሕበራዊ ዝምድናን ናይ ሓቋፊነት ፍኖተ ካርታን ቀንዲ ቀንዲ ብምዃን ዝርቁሑ ኢዮም።

ኣብ ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚን ምንቕቓሕ ካፒታል ዕዳጋን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ናይዛ ሃገር ስርዓት ፋይናንስ ካብ ባህላዊ ኣሰራርሓ ናብ ዘበናዊ ዕዳጋ ዝመርሖ መዋቅር ቀይሪዎ።

ኢትዮጵያ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ምምሕያሽ ብምግባር ኣሰራርሓኣ ናብ ዕዳጋ ዝመርሖ ኣሸጋጊራ ኢያ። እዚ ድማ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ፀሊም ዕዳጋ ካብ ምንካይ ብተወሳኺ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢን ፍሰት ሬሚታንስን ብልዑል ኩነታት ክብ ክብል ገይሩ።

ብሃገራዊ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣቢሉ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ንክብርኽ፣ ፍሪያት ወፃኢ ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ንክትካእ ገይሩ። በዚ ድማ ፀገም ዝነበረን 37 ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ክምለሳ ሓጊዙ። 1.08 ቢሊዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ካብ ሃገር ንከይወፅእ ምድሓን ተኻኢሉ።

ናይ መሶብ መተግበሪ ኣብ ሓደ ዲጂታል መሽኮት ልዕሊ 185 ኣገልግሎታት መንግስቲ ዝሓዘ እንትኸውነ፥ ናይ ዜጋታት ድኻም ኣብ ምቕናስ ዝነኣድ ለውጢ ኣምፂኡ።

ዲጂታል ኢትዮጵያ ኣሰራርሓ መንግስቲ ገልፅን ስሉጥን ኣብ ምግባርን ኪራይ ኣካብነት ብዲጂታል ሰርዓት ነምቅላስን ንምንካይን ኣኽኢሉ።

ብሄራዊ መለለዪ ማንነት ፋይዳ ልዕሊ 25 ሚሊየን ዜጋታት ዝተመዝገቡሉ ስርዓት ዲጂታል መለለዪ ማንነት እንትኸውን፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ስርዓት ባንኪ፣ ፓስፖርትን ሲቪል ምዝገባን ኣገልግሎታት ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝማድ ሕጋዊን ዘተኣማምንን ስርዓት ቁፅፅር ፈጢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዋና ዋና ከተማታትን ዝተወገኑ ስሉጣትን ፅርየት ዘለዎም ልምዓት ኮሪደር ከተማታትን ንነበርቲ ምቹኣት፣ ፅሩይን ንዓለም ለኸ ቱሪዝም ሰሓብቲን ክኾና ኣኽኢሉ።

ልዕሊ 48 ቢሊየን ፈልሲታት ዝተተኸልሉ መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምክልኻል ልዑል ዓቕሚ ኮይኑ።

ብድምር ኢትዮጵያ ፈተናታት ዘይንበርክኹዋ ሃገር ምዃና ኣረጋጊፃ ኣላ። ብጥበበኛታት መራሕታ ተሓጊዛ ፈተናታት ናብ ዕድል ናይ ምቕያር ልምዲ ኣኻዕቢታ ኣላ። ናብ ርሑቕ ካብ ምርኣይ ናይ ወሽጣ ምፍታሽ ጀሚራ ኣላ። ብናይ ባዕላ ዓቕሚን ብሃገር ቦቆል ፍልጠታትን ምዕያይ ከምእትኽእል ተርእይ ኣላ። እቲ ጉዕዞ ናብ ዝለዓለ ምዕባለን ብራኸን ምሽጋር ከምእትኽእል ሙሉእ ተስፋ ዝሃበ ኢዩ።

ብሓባር ሃገር ንህነፅ!

Comments (0)
Add Comment