ኢትዮጵያ ንሰላምን ልምዓትን ሱዳን ትግደስ፤ ብተግባር እውን ኣርእያ እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ኢኮኖሚ፣ ንግዲን ሕውነትን ዝተመስረተ ድልዱል ምትእስሳር ኣለዎም። ሰላምን ልምዓትን እዘን ሃገራት ኣዝዩ ዝተኣሳሰረን ዘይነፃፀልን እዩ።

ስለዚ እዩ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሰላም ሱዳን ካብ ሰላም ኢትዮጵያ ዘይነፃፀልን ንምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒ መሰረትን ምዃኑ ብኣፅንኦት ዝገለፁ። ብምኽንያት እዚ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ህዝቢን መንግስቲን ሱዳን ቀዳመይቲ ተሳታፊት ብምዃን ትፍለጥ።

ኣብ ሱዳን ውሽጣዊ ዘይምርግጋእን ጎንፂን ኣብ ዝተጠረሉ እዋን፤ ኣብ ምዕሳል ሰላምን ምርግጋእን ዝግበሩ ስራሕቲ ብምክያድ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ተኣኪቦም ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑን ሰላም ከዕስሉን ተደጋጋሚ ፃዕርታት ኣካይዳ እያ፤ ሕዚ እውን ትቕፅሎ ኣላ።

ኣብዚ መዳይ ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝተኻየደ ሓባራዊ ስርሒት ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ብምስታፍ ሓለዋ ሲቪላዊ ህዝቢን ፃዕርታት ሰብኣዊ ሓገዝን ንምድጋፍ ወታደራት፣ ተዓዘብቲን ካልኦት ቴክኒካዊ ደገፋትን ብምብርካት ኣብ ሱዳን ሰላም ንኽዓስል ብትግሃት ሰሪሓ እያ።

ብተመሳሳሊ ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣካታዒ ዝኾነ ከባቢ ኣቢየ ንምርግጋእን ሰላም ንምዕሳልን፤ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ድሕንነት ሲቪላታ ብምሕላውን ኣብ ከባቢ ዶብ ሰላም ንኸዓስልን ብምግባር ተልእኾኡ ፈፂሙ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ 2011 ዓ.ም ድሕሪ ናይ ሱዳን ታሕሳስ ኣብዮት ኣብ መንጎ ሲቪላውያንን ወታደራውያንን ጉጅለታት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ብስምምዕ ንኽፍታሕ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ካርቱም ተጓዒዞም ንምስምዕማዕ ፃዕሪ ገይሮም እዮም። እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ሰላም ንኽዓስል ዘለዋ ቆራፅነት ዘመላኽት እዩ።

ሕዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ (ዶ/ር) ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን ፀገሞም ብምኽክርን ዘተን ብምፍታሕ ሰላም ከዕስሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ፖለቲካዊ፣ ወታደራዊን ሲቪላዊን ጉጅለታት ዝርከብዎም ኩሎም ወገናት ሱዳን ኣብ ዘተ ዝሳተፉሉ፣ “ሱዳን ንሱዳን” ዝተሰምየ መድረኽ ኢትዮጵያ ከም እተዳሉ ገሊፆም።

እቲ ብኣሰናዳእነትን ኣመዓራራይነትን ኢትዮጵያ ዝካየድ ፃውዒት ዘተ፤ ኩሎም ወገናት ሱዳን ንኽሳተፉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቲቶም።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ “ሱዳን ንሱዳን” ዝተሰምየ ምኽክር፤ ኲናትን ምክፍፋልን ብምቁራፅ ንዘላቒ ሰላም መሰረት ዝኸውን ብሄራዊ ስምምዕነት ምብፃሕ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም።

ብሓይሊ ዝፅዓኑ መፍትሒ ሓሳባት ንሱዳን ዘላቒ ሰላም ከምዘየምፅኡ ብምግላፅ፤ መፃኢ ዕድል ሱዳን ብሱዳንን ህዝቢ ሱዳንን ጥራሕ ክውሰን ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ብነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ጥምረት ሲቪላውያን ዝኾነ ሲቪላዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረት ሓይልታት ኣብዮት፤ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝቐረበ ፃውዒት ሰላም ከምዝቕበሎ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ሓሳብ ሰላም ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ እወንታዊ ኣበርክቶ ከምዘለዎ እውን ገሊፁ እዩ።

ብተመሳሳሊ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ሱዳን ነቲ ዝቐረበ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ንሰላም እታ ሃገር ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ሓላፊ ኮሙኒኬሽን እቲ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ኻሊድ ኣሕመድ ዳና ንሬድዮ ታማዙጅ ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ሰላም ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ካብ ምቁራፅ ሓሊፉ ህዝቢ ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝኣተዎ መከራ ክወፅእ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ገሊፆም።

ሱዳን ካብ ዝኣተወቶ ቅልውላው ንኽትወፅእ፣ ሓድነታን ሉኣላዊነታን ንኽሕሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባን ዘርአዩዎ ምሕዝነት ንኢዶም።

ታሪኽ ምኽባር ሰላምን ኣብ ጎኒ ሰላም ምቛምን ዘለዋ ኢትዮጵያ፤ ነዚ ግደኣ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን እውን ብዘይምቁራፅ ትፍፅም ኣላ።

ብቴዎድሮስ ሳህለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment