ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንውሽጣዊ ምፍራይ መድሓኒት ፍሉይ ትኹረት ብምሃባ ንዓመታት ካብ 8 ክሳብ 10 ሚእታዊ ዝነበረ ብፅሒት ውሽጣዊ ኣፍረይቲ ናብ 44 ሚእታዊ ክብ ክተብሎ ክኢላ እያ፤ ክሳብ 2030 እዚ ብፅሒት ካብ 50 ሚእታዊ ንላዕሊ ንምብፃሕ ድማ ስራሕቲ ይካየዱ ኣለዉ።
ብፍርያት መድሓኒት ርእስኻ ምኽኣል፣ ንኢትዮጵያ ኣጀንዳ ልምዓት ኢንዱስትሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብሄራዊ ድሕንነት ጥዕና፣ ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነትን ፍትሓዊ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕናን ንምርግጋፅ ቀንዲ መሰረት እዩ።
ኢትዮጵያ እውን ንዓመታት ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ትዕድጎም ዝነበረት መሰረታዊ መድሓኒታትን ናይ ሕክምና መእተዊ ንብረታትን ብዓቕሚ እታ ሃገር ንምፍራይ ለውጢ ፖሊሲታትን ምትብባዕ ኢንቨስትመንትን ብምትግባር ወሳኒ ዓወታት እናመዝገበት ትርከብ።
መንግስቲ ውሽጣዊ ምፍራይ ንምትብባዕ ክሳብ 25 ሚእታዊ ናይ ዋጋ ፍልልይ ምትብባዕ ሓዊሱ ቀዳምነት ዕድጊት፣ ናይ ግብሪን ጉምሩኽን እፎይታ፣ ከምኡ እውን ከም ፓርክ ኢንዱስትሪ መድሓኒት ቂሊንጦ ዝበሉ ፍሉያት ማእኸላት ምፍራይ ናይ ምድላው ስራሕቲ የካይድ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣቕራቢ መድሃኒታት ኢትዮጵያን ሚኒስቴር ጥዕናን ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ውሽጣዊ ኣፍረይቲ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮም ትሑት ደረጃ፤ ካብ ዓመታዊ ድሌት መድሓኒት መንግስቲ ኣስታት 44 ሚእታዊ ንምሽፋን ዘኽእሎም ደረጃ ክበፅሑ ክኢሎም።
ብተመሳሳሊ በዓል መዚ ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ስርዓት ቁፅፅር ብምዝማንን ኣህጉራዊ ደረጃታት ፅሬት (GMP) ብምትግባርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርዩ መድሃኒታት ድሕንነቶም ዝተሓለወን ተወዳደርቲን ንክኾኑ ስራሕቲ ይትግበሩ ኣለዉ።
ኢትዮጵያ እቲ ዝጀመረቶ ለውጢ ምፍራይ መድሓኒት ዘላቒ ንምግባር ካብ ምፍራይ ውዱኣት መድሃኒታት ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ቀረብ ጥረ ኣቑሑት ምዕባይ፣ ኣብ ምርምርን ምዕባለን ኢንቨስትመንት ምግባር፣ ከምኡ እውን ምትሕብባር መንግስቲን ውልቀ ዘፈርን ምጥንኻር ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ትፅቢት ይግበር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ኣብ 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ሕብተብ ኣፍሪካ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ሓይሊ ሰብ፣ ውሽጣዊ ምፍራይ መድሃኒት፣ ዲጂታል ጥዕናን ሰብ ሰራሕ ብልሒን (AI) ኢንቨስት ብምግባር ዘይብዳህ ርእሱ ዝኽእልን ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ንምህናፅ ቆራፅ ምዃና ገሊፆም።