ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ተረባሕነትን ንኽጠናኸር ክትሰርሕ እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓባራዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንምጥንኻርን ክትሰርሕ እያ ኢሎም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ኣዳም ተስፋዬ።

ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባርን ሓባራዊ ምትእምማንን ብምድሃብ ኣብ ኣፍሪካ ዘተ የካይድ ኣሎ።

እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ዓለም ለኸ ትካል መፅናዕቲ ድሕንነት፣ ላይፍ ኤንድ ፒስ ኢንስቲትዩትን ኮንራድ ኣዴናወር ፋውንዴሽንን ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ፤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ተመራመርቲ፣ ምሁራንን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ትካላትን ተሳቲፎም።

ኣምባሳደር ኣዳም ተስፋዬ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ምትሕብባር ሓይሊ ዲጂታል ምትእስሳርን ብሓባር ምስራሕ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ከምዘጠናኽር ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ንምዕሳል ምትሕብባር እተን ሃገራት ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንኽጠናኸር ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብሓባር ንምርባሕን ዝለዓሉ ሕቶታት ብዘተ ንኽፍትሑን እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣረጋጊፆም።

ብሃመልማል ዋለ

Comments (0)
Add Comment