ኢትዮጵያ ንዘላቒ ልምዓት ቱሪዝም ዝሕግዙ ፕሮጀክታት ትሃንፅ ኣላ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንዘላቒ ልምዓት ቱሪዝም ዝሕግዙ ፕሮጀክታት ትሃንፅ ኣላ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

ኣብ ከተማ ባህርዳር ዙሪያ ቃላይ ጣና ዝርከብ ነበር ሆቴል ጣና ዓለም ለኸ ደረጃኡ ብዝሓለወ መልክዑ ‘ፎር ፒ ቢ ኤስ’ ብዝብል ስያመ ንምህናፅ ብሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ህንፀት ተጀሚሩ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ህንፀት ኣብ ዘጀመሩሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ባህር ዳር እናተሃነፁ ዝርከቡ ሪዞርትታትን ሆቴላትን ነታ ከተማ ዓለም ለኻዊት መስሕብ ቱሪዝም ንምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክቱ ኢዮም፡፡

ኢንቨስትመንት ሆቴል ብምስፋሕ ሃፍቲ ቱሪዝም ምዕባይ ብፍሉይ ዓቕሚ ምፍፃም እናተወገነ ዝርከብ ተግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ በዚ ድማ ናይ ለውጢ መንግስቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ምጅማርን ምፍፃምን ባህሊ ምግባሩ ባህር ዳር ምስክር ኢያ ኢሎም።

ካብ ኣምር መደመር ንዘላቒ ቱሪዝም እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነት ዘረጋግፅን መፃኢ ወለዶ ኣብ ግምት ዘእተወን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ሆቴል ብ3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ወፃኢ ኣብ 32 ሺሕን 440 ስኩዌር ሜትሮ ዝህነፅ እንትኸውን፥ 4 ዘበናዊ ሬስቶራንታት፣ ሹቓት፣ 120 ዘበናዊ መደቀሲ ክፍሊታት፣ መሕመሲ ገንዳታትን ዘበናዊ መተኣናገዲ መደባትን ዘካተተ ኢዩ፡፡

ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ዘመስከሮ ብቕዓት ኣፈፃፅማ ኣብዚ ፕሮጀክት እውን ከርኢ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብለይኩን ኣለም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment