ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዘኽእላ ናይ መወዳእታ ዕዉት ድርድር ኣካይዳ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ሚኒስትር ንኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ዝተገበረ 7ይ ዙር ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡወዎ መግለፂ÷ ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዕዉት ድርድር ኣካይዳ ኢሎም፡፡
ኣብ 7ይ ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ከምዝተረኸበ ብምሕባር÷ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ዓወት ኢትዮጵያ ዝተግበረቶ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
በዚ ድማ ን226 ኣባል ሃገራት ሕቶታት ዓብዪ መልሲ ናይ ምሃብ፣ ረቂቕ ፀብፃባት ጉጅለ ስራሕ ምምዕባልን 32 ግቡኣት ዓንቀፃት ምዝዛምን ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም፡፡
ምስ 9 ኣባላት ክልታኣዊ ድርድራት ዕድል ዕዳጋ ከምዝተዛዘሙ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ሓሙሽተ ሃገራት ስምምዕነት ክልተኣዊ ድርድር ከምዝህሉ ኣመልኪቶም፡፡
ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ልዕሊ 23 ዓመታት ድርድር እናገበረት ምፅናሓ ብምዝኽኻር÷ ብተዓዛቢነት ኣብ ዝፀንሐትሉ ትካል ንግዲ ዓለም፤ ኣባል ንምዃን ኣብ 7ይ ዙር ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ከምዝበፅሐት ገሊፆም።
ብግዛቸው ግርማዬ