ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ብማዕቐፍ ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ኣቢላ ፍርያታት ወፃኢ ንግዳ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ጀሚራ ኢሉ።
እቲ ሚኒስቴር 9ይ ሴክተር መዳርግቲ ኣካላት ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናካየደ ይርከብ።
ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ካብ ዓውዲ ወፃኢ ንግዲ 9 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ሓሲባ 11 ቢሊየን ዶላር አዕዊታ።
ዝተመዝገበ ኣታዊ ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ዝተርፎ ይኹን እምበር እቲ ዓወት ናይ መንግስቲ ቆራፅነት ፖሊሲን ስራሕ ምውዳድን ውፅኢት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ዲጂታላይዜሽን፣ ዕግበት ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ንግዲ ምድንፋዕን ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋ ዓወት ከምዝተመዝገበ ወሲኾም ገሊፆም።
ስርዓት ንግዲ ንምኽባር ብዝተገበረ ክትትል ልዕሊ 93 ሺሕ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ዘይሕጋዊ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ተወሲዱ ኢሎም።
ኣብ ማዕቐፍ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፍርያታ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ምጅማራ ብምሕባር፤ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝተዘዋወረ 23 ሚሊየን ዶላር እቲ 15 ሚሊየን ዶላር ኢትዮጵያ ብብሕቲ ዝለኣኸቶ ኢዩ ኢሎም።
ብታሪኩ ለገሰ