ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ተሰናድኦ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኮፕ32 ዲፕሎማሲ ቀፃልነት ዘረጋግፅ ስራሕ ክትውግን ኢያ ኢሎም፡፡
ቻተም ሃውስ ዝተሰነየ ዓለም ለኸ ትካል “ኣብ ዝተኸፋፈለ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ጉባኤታት ኮፕ ኣድላይነት ምጉላህ” ብዝብል ርእሲ ዘሰናደኦ ቅነ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ለንደን ተኻይዱ፡፡
እቶም ሚኒስቴር ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ እተዳልዎ መበል 32 ጉባኤ ቀዳምነት ዝሃበቶም ተግበራት ቱርኪን ኣውስትራልያን ብሓባር ዘዳልውኦ ኮፕ31 ውፅኢታት ብምልዓል ቀፃሊነት ምርግጋፅ እዩ፡፡
እዚ ኣካይዳ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውህሃድ ብምስራሕ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ዝዓለመ መትከል ምድማር ዘንፀባርቕ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ክሊማ ዘለዋ ፅኑዕ ራእይን ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ብፖሊሲ መሰረት ዝገበረ ስጉምትታት ዘመዝገቦም ዓወታትን ኣብሪሆም።