ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምት ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ስርዓት ጥዕናኣ ንምምዕባል ብፍሉይ ትኹረት ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
28 ጉባኤ ዓመታዊ ዘፈር ጥዕና ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ሆሳዕና ይካየድ ኣሎ።
ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ብዝተሰርሐ ሪፎርም ኣብ ኩሎም ሆስፒታላት ኣገልግሎት መጥባሕቲ ክህሉ ተገይሩ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኩለመዳያዊ ስርዓት ጥዕናኣ ንምምዕባል ብፍሉይ ትኹረት ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ ጥዕና ኣዴታት ብዝተሰርሐ ስራሕ ሞት ኣዴታት ምንካይ ከምዝተኻኣለ ኣመልኪተን።
ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ብዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብ 58 ብልዑል ፅዕንቶ ዓሶ ዝነበረን ወረዳታት ብዝተሰርሐ ስራሕ ምጣነ ሞት ብ50 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝተኻኣለ ኣመልኪተን።
ብመንፅር ስራሕ ቅድመ-ምክልኻል ሕማም ካንሰር ማህፀን ክሳድ ንምክልኻል ብዝተገበረ ፃዕሪ 1.8 ሚልዮን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ መርመራ ካንሰር ማህፀን ክሳድ ከምዝገበራ ገሊፀን።
ጥዕና ዲጂታላይዝ ንምግባር ኣብ ዝተታሕዘ ሃገራዊ ሪፎርም 226 ናይ መንግስቲ ትካላት ጥዕና ስርዓት ካርድታተን ከምኡ እውን ኣስታት 11 ሽሕ ኬላታት ጥዕና ኣተሓሕዛ ሓበሬታአን ናብ ዲጂታል ምቕያር ከምዝኸኣላ ኣብሪሀን።
ብጥላሁን ይልማ